ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ አዲስ አበባ ጎደናታት ብዘይ
ምንም መፅለሊ ተበቲኖም ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ሓደ ሓደ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣብ ዝሃብዎ ሪእቶ ድማ፣ ኣብ ዘመነ ስልጣን ኢህወዴግ ኣብ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝበፅሕ
ዘሎ ግፍዒ ከቢድ ኮይኑ፣ ህዝቢ ኣምሓራ 'ውን ካብ ካልኦት ክልላት ብዘይንእስ መልክዑ ዝተፈላልዩ ግፍዕታትን ምክልባትን
ይበፅሖም ምህላው ድሕሪ ምግላፅ።
እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይ መፅለሊ
ኣብ ብራንዳ ወዲቖም ኣብ ምልማን ተዋፊሮም ዝርከቡ ዜጋታት ድማ፣ ህዝቢ ኣምሓራ ከም ካልኦት ክልላት ሰሪሑ ዘጥረዮ ገዲፉ
ክወፅእ እንትግበር ንብረቱ እናተቓፀለ፣ ካብ በደኖን ኣርባ ጉጉን ጨፍጫፍ ጀሚሩ ክሳብ እዚ ቀረባ ግዜ ብተደራረብቲ ሽግራት
ህይወቱ እናሰኣነን ኣብ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ክፈናቐልን ካብ ዝጅምር ውዒሉ ሓዲሩ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
በዚ መሰረት ድማ ካብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ማለት ካብ
ጎጃም፤ ጎንደርን ወሎን መረበቶም ቀሲኖም ከይነብሩ በቲ ስርዓት ብዝበፅሖም ከቢድ በደል ምኽንያት ለቒቖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ
ዝገዓዙ ወገናት፣ ብፍላይ ከዓ ኣዴታትን ህፃናትን ብዘይ ምንም መፅለሊ ተደርብዮም ንዕለታዊ ድራሮም ይልሙኑን ብዝተፈላልዩ
ሕማማት እናተሳቐዩን ከም ዘለው እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment