Monday, April 18, 2016

ኣባላት ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ብዘይ ምቁራፅ ዕለታዊ ነቲ ውትህድራና እናራሕርሑ ይኸድዑ ከም ዘለው ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብ ምዕራብን ደቡብ ምብራቅን እዚ ከምኡ 'ውን ብሰሜናዊ ናይ ሃገርና ክፋል ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ፣ ኣብ ናይ ኣካዳሚ ሜጀር ጀነረል ሓየሎም ኣርኣያ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዝወሃብ ብቕዓትን ፍልጠትን ዘየጭብጥ ስልጠና ከም ዝህብ ዝፈልጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ዝኣተው ናይ መኮነናት ኮርስ ወዲኦም ካብ ዝመረቖም ውሽጢ፣ ሓደ ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ መላኩ ኣበበ ነጋሽ ዝተብሃለ ዝርከቦም ዝኸድዑ እንትኾኑ፣ ዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት 'ውን ኣብ'ቲ ምክልኻል ከገልግሉ ድልየት ብዘይ ምህላዎም ኣጋጣምታት ብምጥቃም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝወስድዎ ክድዓት እናተጋደደ ይመፅእ ከም ዘሎ ከፍለጥ ተኻኢሉ።
ገዛኢ ጉጅለ ኢህወደግ ሓደ መኮነን ኣሰልጢኑ ንምምራቕ ዝወስዱዎ ብጣዕሚ ዝሓፀረ ግዜ ከም ምዃኑ መጠን፣ ብብቕዓት ከገልግሉን ኣብ ዝለዓለ ወታሃደራዊ ሓለፍቲ ንምዃን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ናይ ጀነራልነት ቆብዕ ከም ዝሰቕሉ ንምግማት ዘመልክት ሓበሬታ ኮይኑ፣ ከም ዘሎን ከምኡ 'ውን ናይ'ቲ ሰራዊት መረረት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ከም ዝበፀሐን ኣረዲኡ።
ብምዃኑ ድማ ብሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ኢህወደግ ጥቕሚ ኣይንሕሉን ዝበሉ ብዙሓት ናይ'ቲ መከላኸሊ ሓይሊ ሰራዊት መኮነናት ኣብ ልዕሊ መሰሉ ክሕለወሉ ንዝሓተተ ጭቁን ህዝቢ ኣፈሙዝ ብረት ኣይነቕንዐሉን ብምባል ኣብ ምንፃል ከም ዘለው እንትኾኑ፣ ብተወሳኺ ድማ ፖሎቲካዊ ኣመለኻኽታን ኣረኣእያን ነጊሱ ብላዕለዋይነት ዝምረሐሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምዃን ኣየዋፅእን፣ ንመምልኢ ጅባ ሰበ ስልጣናት ኢህወደግ ኣብ ሶማልያ ንኮንቱነት ኣይንሕረድን፤ መሬትና ንሱዳናውያን ተቖሪሱ እናተዓደለ ስቕ ኢልና ኣይንርእን፤ በደልን ግፍዕን ዝነገሶ ስርዓት ንረብሑኡ ኣይንቖምን ብምባል እቲ ሰራዊት ምክልኻል በቢ ዕለቱ እናፈረሰ ይወፅእ ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment