Monday, April 18, 2016

ኣብ ከተማ ስሉልታ ዝርከቡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ምስ ነበርቲ ናይ'ታ ከተማ ዝኾኑ መናእሰይ ግጭት ከም ዘልዐሉ ካብ'ቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



ካብ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ብ28.4 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ትርከብ ከተማ ሱሉልታ፣ ኣብ'ቲ ከባቢ ዝርከቡ ፌደራል ፖሊስ ምስ ናይ'ታ ከተማ መናእሰይ ተፋጢጦም ከም ዝርከቡ ካብቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ክለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ከተማ ስሉልታ ዝርከብ ሓደ ናይ ኤሌክትሪክ መመሓላለፊ ትራንስፎርሞር ብምፍንድኡ ስዒቡ፣ እቲ ከባቢ ብፌደራል ፖላዊስ ብምኽባቡ ዝተልዓለ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ድማ ነቶም ፖላዊስ ኣይትውኩሉናን፣ ካብ'ቲ ከባቢና ዘወር በሉ ብዝብል ተቓውሙኡ ብምግላፁ ምኽንያት እቶም ፖላዊስ ነቲ ተቓውሙኡ ዝገልፅ ዝነበረ ህዝቢ ንምብታን ከም ዝተኮሱን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ናይ በትሪ ድብደባ ከም ዝፈፀሙ ዝገለፀ እንትኾን፣ በቲ ስጉምቲ ዝተቆጥዑ መናእሰይ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ፖላዊስ ሓያል ጉድኣት ከም ዘብፅሑ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ መናእሰይ ከተማ ሱሉልታ ነቲ ብኢ-ዴምክራስያዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይቡሉ ግፍዕታት ዘውርድ ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ፣ ብገንዘብ ይተሓባበር እዩ ዝበሉዎ ናይ ሸኽ መሓመድ ኣላምዲን ዋንነት ዝኾና ሰለስተ መኻይን ብኣእማን ከም ዝሰባበርዎን ተፈሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ፕሪፓራቶሪ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰበታ ብወታሃደራት ግፍዕታት ይወርዶም ከም ዘሎ ካብ'ቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

                                           

No comments:

Post a Comment