Monday, April 18, 2016

በትሪ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፣



     ህዝብን ሃገርን ክልውጥ ዝደለየ ስርዓት ሃፍቲ ናይ'ታ ሃገር ተጠቒሙ ንልምዓት ንጡፍ ብዝኾነ ተሳትፎ እናቐለሰ ነፃነትን መሰልን ናይ ዜጋታት ብምሕላው ድሌትን ሕቶን ሕብረተሰብ ንምምላእ ኣብ ተግባር ኣሽሪፉ ብትግሃት ዝንቀሳቐስ ስርዓት ልምዓታዊ ክበሃል ይከኣል። ካብ'ቶም ቀንዲ ባህርያት ልምዓታዊ ከብሎ ዝኽእል ድማ ንፁር ፖሊሲ ቀሪፁ ካብ ቢሮክራስያዊ ኣሰራርሓን ዓንቀፍቀፍን ዝነፀሀ ስሉጥ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ፣ ኣብ ህዝቢ ፅቡቕ ኣመኔታን ተቐባልነትን ኣሕዲሩ ልምዓት ናይ ህልውና ሕቶ ገይሩ ብምውሳድ ደረጃ መነባቡሮ ህዝቢ ክልወጥን ከማሓይሽን ብቅንዕና እንትዓዪ ጥራሕ እዩ።
     እንተኾነ ግን ህዝባዊ ድጋፍን እምነትን ዘይብሉ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ እዚ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሉ ኣብ ባይታ ወሪዱ መነባቡሮ ህዝቢ ኢትዮጵያን ዕብየት ሃገርን ከምፅእ ይኽእል እዩ ኢልካ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። ከም ውፅኢቱ 'ውን ባህርን ተግባርን እቲ ኣብ ሃገርና ብሹም ልምዓታዊ መንግስቲ እየ እናበለ ዝዝምር ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ክረአ ከሎ፣ ነፃነትን መሰልን ናይ ዜጋታት ረጊፁ፤ ግልፅነትን ተሓታትነትን ኣብ ዘይብሉ ቢሮክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ዝሳዕረሩ፤ ረብሓ ዝኣከቦም ጉጅለ ኢህወዴግ ናይ ህዝቢ ሓደራን እምነትን ንጎኒ ብምርሕራሕ ውልቃዊ ናብራ ንምኽዕባት ከም ጎሞድያን ፈለኽለኽ እናበሉ ሓሊኾም ሒዘሞ ኣብ ዘለውሉ ባይታ፣ ህዝቢ መሰሉ ተሓሊሉ ካብ እንዳ ኢህወደጋውያን ተጠቃምነቱ ክረጋገፀሉ ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንዲ ልምዓት ብሓዱሽ በትሪ ልምዓታዊ መንግስቲ እዩ ክግረፍ ዝውዕል ዘሎ።
    ብመራሕቲ ኢህወደግ ካብ ናይ ውሱናት ሃገራት ተገልቢጦም ዝሕንፀፁ ዘለዉ ስትራቴጂታት ልምዓት ኩሎም ጎደሎ እዮም ዋላ እንተዘይተብሃሉ፣ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘይተገናዘበ ብምዃኑ፣ ዘስዕቦ ዘሎ ክሳራ ከቢድ እዩ። ብጉልባብ እዚ ባዕላዊ ዘይኮነ ስትራቴጂ ውፅኢት ኣልቦ ዝኾነ ሹም ለቢስካ ልምዓታዊ ክትመስል ብናይ ሓሶት ፀብፃባት ገምዳሕዳሕ ምባል ግን እናሻዕ ኣብ ርእሲ ውፁዕ ወገንካ በድል ኣብ ርእሲ በድል ምፍፃም ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ ህዝቢ ጥር ትብል ፍረ ከይረኸበ ኣብ ባዶ ኢዱ ብተስፋ ማና ክዓግጭ ንሳቶም ብኣንፃሩ ተሓታትነት ብዘይብሉ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ከም ድልየቶም እናጎሓሉ ኣብ ደበና ጥፍኣት ኮይኖም ኣብ ክንዲ ልምዓትን ስኒትን በትሪ እናዋጣወጡ እዛ እምባይ መን ይወርሳ እናበሉ ከም ዝመፁን ዘለውን እቲ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ሕቶ ዘየድልዮ ጭቡጥ ሓቂ እዩ።
    ልባስ ልምዓታዊ መንግስቲ ኢህውደግ ኣብ ክንዲ ንረብሓ ሓፋሽ፣ ንመሸፈኒ ስልጣን ጉጅልኡ ኣውዒሉዎ ጥራሕ ከይኮነስ ንህላወ ልምዓታዊ መንግስቲ ዘይቃዶ ቢሮክራስያዊ ምሕደራ ብምህናፅ ንህዝቢ ነፃነት ኣስኢኑ፣ ኣብ ትሕቲ ፅኑዕ ሓለዋን ክትትልን ብምእታው ስልጣን ንምንዋሕ ኣብ ሰንደልደል ይርከብ።
   ኢህወደግ ካብ መሰረቱ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰባት ዝሳተፍሉ ሰፊሕ ዘተን ክትዓትን ኣካይዱ ብኣወንታን ኣሉታን ገምጊሙ፣ ንህዝቢ ካብ ፀገማት ዘናግፍ መሰረታዊ ዝኾነ ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ካብ ዝሰኣኖ ዳርጋ ክንዲ ሓደ ዕድመ ጎበዝ ኣቑፂሩ እዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ብሄራዊ ሓድነት ስኢኑ፤ ስትራቴጂካዊ ጥቕምታትን፤ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ብውሑዳት ንፈልጠልካ ኢና ብዝብሉ መራሕቲ እናተረገፀ፣ ለውጢ ንምምፃእ ዕድል የብሉን። ምኽንያቱ ንስለ ወንበር ውሑዳት መራሕትን ሰዓብቶምን ተባሂሉ ብዝተቐደሐ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ ባይታ ዘርአዮ ጭቡጥ ሓቂ ሓደጋ እምበር ካልእ ፋይዳ ክርከቦ ስለ ዘይኽእል።
    ከም ውፅኢቱ 'ውን ተግባርን ቃልን ኢህወዴግ መሰረቱ ኣይቃዶን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቶም አተሓሳስባታት ብፖለቲካዊ ድሌት ገዛኢ ጉጅለ እናዓንፀለ ካብ መንገዲ ልምዓት እናልገሰ መሓውራት መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብፖለቲካዊ ድሌት ብምቛም፣  ነፃን ብቑዕን ናይ ምዃን ዕድሉ ኣዝዩ ፀቢብ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ብሽም ህዝቢ ዝተረኸበ ሓላፍነት ኣብ ክንዲ መፈፀሚ ልምዓታዊ ስራሕቲ መሕለዊ ዕድመ ስልጣን ውሑዳት ብምውዓሉ ሎሚ ነቲ ንርብዒ ዘመን ዝተዘርገሐ ነዊሕ ዝሰረቱ ግዕዚናን ቢሮክራስን ሰንሰለት ምብታኽ ተሳኢንዎ ህልውና ስልጣኑ ኣብ ቀልቀል ገደል ስለ ዝበፅሐ፣ ሕዚ ንከምስል ቆራፅ ህዝባዊ መንግስቲ ንምምሳል ነቲ ንፁህ ህዝቢ መዓልታዊ ኣብ ኣኼባ ፀሚድዎ ይውዕል ኣሎ።
    ስለ'ዚ ልምዓት ናይ ህልውና ሕቶ ዝኸውን መሰልን ነፃነትን ህዝቢ ብዝግባእ ተሓሊሉ ብቑዕን ምዕሩይን ምምሕዳር ረኺቡ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቱ ብነፃ ክንቀሳቀስ ከሎ እዩ። እዚ ድማ ካብ ኢህወደግ ክርከብ ከም ዘይከኣል ፈሊጥና ንህላወና ክንለዓል ይግባእ።

No comments:

Post a Comment