Monday, April 18, 2016

ኣብ ሃራማያ ዩኒቨርስቲ ብዝተላዕለ ቃፀሎ ናይ ተማሃሮ መደቀሲ ክፍልታትን ንብረትን ብምዕናው ስዒቡ እቶም ተማሃሮ ነናብ ክልሎም ይምለሱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።




ነበርቲ ናይ'ቲ ከባቢ፣ መንግስቲ ነቲ ዝተልዓለ ቃፀሎ ምጥፋእ ሓላፍነቱ ምዃኑ ፈሊጡ ቀልጢፉ ክቆፃፀሮ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ኣብ'ቲ ዩኒቨርስቲ ካብ ዝተፋላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝኸዱ ናይ መጀመርታ ዓመት ተማሃሮ ናይ መደቀሲ ክፍሎም ዝኾነ ህንፃን ብርክት ዝበለ ዝግልገልሉ ዝነበሩ ንብረትን ከም ዝዓነዉ ተገሊፁ።
እቶም ነበርቲ ወሲኾም ዝሃብዎ ሓሳብ ከም ዘመላኽቶ እንተኾይኑ፣ እዚ ናይ ሓዊ ቃፀሎ ሓደጋ ንነዉሕ ስዓታት ዝፀንሐ እንትኸዉን፣ መንግስቲ ቀልጢፉ ከጥፍኦ ዘይክኣለ ድማ ናይ መንግስቲ ኢድ ኣታዉነት ክህልዎ ይእኽል፣ ምኽንያቱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኦሮሚያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝልዓሉ ዘለዉ ህዝባዊ ዓመፃት ምስ ሽብርተኝነት ንምትሕሓዝን ንማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ንምርኣይ ዝደሊ ዘሎ ኢህወዴግ ከም'ዚ ዝበለ ጥፍኣት ኣይፍፅምን ክብሃል ኣይከኣልን ክብሉ ዉሃብቲ ርኢቶ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃራማያ መደቀሲኦምን ንብረቶምን ዝሰኣኑ ተምሃሮ ኣብ ሽግር ወዲቖም ከም ዘለዉ ዉሃብቲ ርኢቶ ዝገለፁ ኮይኖም፣ ካብ ዝተፈላለየ ከባብታት ሃገርና ናብ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተዉ ተማሃሮ ትምህርቶም ገዲፎም ናብ ቤተሰቦም ይኸዱ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ። 

No comments:

Post a Comment