Monday, April 25, 2016

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንግዕዙይ ምሕደራ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ብቅዋም ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ መናእሰይ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ተፀምቢሮም።



ካብኣቶም ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦
-ሮቤል ተወልደ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ዓዲ ግራት ጣብያ ብዘት
-ተስፋኣለም ወለገብርኤል ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ኣዲስ ተስፋ
-ገብረፃዲቕ ኤልያስ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሳግላሜን
-ሓየሎም ወሉ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ጣብያ ዳግነ
-ገብረስላሰ ጉዕሽ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ጣብያ ዓዲ ሶራዋት
-ሃይለ ኣለማዮ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ በጊዕ
-ደጀን ፀጋይ፤ ተኽሊት መኮነን፤ ዓውደሰላም ኣማን፤ ኣማኒኤል ጌታቸው ብሓባር ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ባድመ
-መንግስትኣብ ሓጎስ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ጎማሃሎ
-ተስፋይ ጥላሁን ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ኣውዓላ ዝርከብዎም እንትኾኑ፣
ብረት ኣልዒሎም ክቃለሱ ካብ ዘገደዶም ምኽንያት እንትገልፁ ድማ፣ ዝተዛበዐ ፍትሕን ብስእነት ስራሕን ንሕፀረት መነባብሮ ተቓሊዖም ኣብ ፀገም ወዲቖም ብምፅንሖም ተማሪሮም ናብ ቃልሲ ክወፁ ከም ዝወሰኑ ገሊፆም።
ብፍላይ ድማ መናእሰይ ደጀን ፀጋይን ዓውደሰላም ኣማንን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብ ስራሕ ዘሎ ፖሊሲ ትምህርቲ ንወለዶ ዝሃንፅ ዘይኮነስ ንወልዶ ዝርምስ ብምዃኑ፣ መፍረያይ ሓይሊ መንእሰይ ትምህርቲ ወዲኡ ተባሂሉ ዓቕሚ ዘዕቢ ብዘይ ምዃኑ ስራሕ ኣፍትሑ ናብ ድኽነት ዝጥሕል ከምኡ'ውን ድራር ምሸት ንምርካብ ተገዲድካ ውትህድርና ክትቁፀር ዝገብር ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።  

No comments:

Post a Comment