Monday, April 25, 2016

ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ኣሰራርሓ መንእሰይ ካብ ስራሕ ወፃኢ ገይሩ ናብ ስደት ከምርሕ ዝገብር ከም ዝኾነ ተገሊፁ።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና፣ መንእሰይ ሃገርና ባዕሉ ብዝገብሮ ፃዕሪ ዝኾነ ንዕኡ ዘሕደር ሞያ ኣብ ዝጭብጠሉ ነታ ሞያ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ናይ ኣታዊ ስራሕ ኮይና ንኽትቅፅል ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ዝግበር ምትብባዕ ንይምሰል ዝዝረበሉ እንተዘይ ኮይኑ፣ ፍፁም ኣብ ግብሪ ከም ዘየለን፣ እኳ ድኣ ነቲ ዝሓዞ ሞያ ገዲፉ ነቲ ባዕሎም ዝሃንደስዎ ብመንገዲ ድኣንት ዝፍፀም ብፖለቲካ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ዝተላዕጠጠ ውዳበ ክትምስርትን ኣብ ትሕትኦም ደንገርገር እናበልካ ኣደዳ ዘይትወፆ ዕዳ ክትኸውን ብምግባር ዘለኣለም ከይተኣሰረ እሱሮም ኮይንካ ክትነብር ዓብዪ ፃዕርን ምንቅስቓስን ከም ዝገብሩ ኣገንዚቡ።
በዚ ዝምቡዕ ኣሰራርሓ  ገዛኢ ስርዓት ዝተማረሩ መናእሰይ ድማ ዝፈትውዋ ስርሖምን ዓዶምን ራሕሪሖም ናብ ስደት ምኻድ ከም ናይ መወዳእታ መማረፂ ይወስድዎ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፣ እዚ ግፍዐኛን ዓፋንን ስርዓት ተኣልዩ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ናይ ኩሉ ዜጋ እዋናዊ ሃንቀውታ ኮይኑ ከም ዝርከብ ካብቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment