Wednesday, April 6, 2016

ብዘይ ተግባር ኣርሒቑ ዝሓድር ስርዓት



ምስ ህዝብኻ ኣቐዲምካ ዘተ ሂወት እምበር ሓደጋ ከም ዘይብሉ ዝፉለጥ እዩ። እንተኾነ ግን ካብ ዘተ ሃዲምካ ንገበንካ ሓቢእኻ ብምድንጋር ኣብ ርሑቕ ክትሓድር ምፍታን ግን ገበን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ታሪኽ ጉሕለት 'ውን እዩ።

ምኽንያቱ ዜጋታት ናብ ሓደጋ ዕንወትን ምብትታንን ከይተሳጥሑ ብገንኦም ዘልዕልዎም ፖሎቲካዊ፤ ኢኮኖምያዊ፤ ማሕበራውን ተረባሕነት መሰሎምን ክማለአሎም ብዘኽእል ግልፅነት ዘለዎ ምርድዳእን ዘተን ብምክያድ፣ ኣብ ክንዲ ዘላቕነት ዘለዎ መፍትሒ ምቕማጥ መመሊሶም ዘጎሃህሩ ስጉምትታትን ጠቐነን ክወሃብ ንዕዘብ ኣለና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ድሕሪ ባይታ 'ውን እንተኾነ ዝተፈለየ ባህርን ተግባርን የቡሉን።

በዚ መሰረት ኢህወደግ ናብ ስልጣን ካብ ዝቆናጠጥ ኣትሒዙ ህዝባዊ ስልጣን ብሓይሉ እናመንዘዐ፣ ተስፋን ድልየትን ናይ ዜጋታት ባይታ ኣዝቢጡ ኣብ ናይ ሓደ ፀግዒ ኣረኣእያ ንኸዕቕሉ ብምፍታን፣ ንገዛእ ውልቀ ድልየቱ ከማልእ ማእለያ ብዘይብሎም ምድንጋራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክሰሉኽ ን25 ዓመታት መመላእታ ኣብ ባይታ ዘይረአ ብናይ ሓሶት ፀብፃብ ተሓቢኡ ሰንደልደል ክብል ፀኒሑ እዩ።

ብምዃኑ ድማ ነታ ፅርይቲ ማይ ሓሪማቶ ኣብ ገፀርን ከተማን ኣዋርሕ ንዝፅበ ወገን፣ ካብ 80 ክሳብ 90 ሚኢታዊ ዝርገሐ ፅሩይ ማይ ኣባፂሕና እናተብሃለ ዘይረአ ማና ብፀብፃብ ፃምኡ ከርዊ እንትገብር ከምኡ እውን ብሓደ ዒባራ ክራማት ቆፍኡ ነጊፉ ዝስደድን ዝንከላበትን ገባር እናሃለወ፣ ብደረጃ ሃገር ውሕስነት መግቢ ተረጋጊፁ እናበልካ ኣብ ሚድያ መዓልታዊ ክፍኖ ብምግባር፣ ኣብ ክልተ ሰለስተ ዓመት ተዛዚሞም ፀገምካ ክሓርዱ እዮም ዝተብሃሉ ዓበይቲ መደባት ሒዝና ኣለና ገንዝብ ኣወፊ ተባሂሉ ብህዝቢ ተሰሪሖም ዝብሃሉ ሒደት ትካላትን ገና ዘይተመልኡን፣ ብዘመሓድርወን ኣካላትን መሓውሮምን ተጓሕጕሐን ሰፈር ምጥፍፍእን ብልሽዉና ኮይነን፣ ህዝቢ ዝግባእ ኣገልግሎት ከይረክብ እናተጉላእለአ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ይርከብ።

በቲ ኻልእ ገፅ ድማ ፍትሒ ዝረሓቐቶ ውፁዕ ህዝቢ ፍትሒ የለን ኢሉ ኣማሪሩ ክንዲ ዝነቐፈን ዘቃለዐን፣ ነቲ ሓቂ ደፊኖም በቲ ገዛኢ ስርዓት ተኣማንነት ንምርካብ ጥራሕ ዝውግኑ ኣመራርሓን ካድረታትን ዝኣለምዎ ሽርሒ ርእሱ ክደንን እንትገብሩ፣ ዝርገሐ ፅሩይ ዝስተ ማይ የለን ንዝበለ ወገን ብዘይካ መንገዲ ኢህወደግ ኩሉ መንገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን እዩ ብዝብል ብኣጎጣጥ ዝምልስ መሓውር ተስፋሕፊሑ ኣብ ዘለሉ፣ ድርቂ ዝፃወር ቁጠባ ንምንታይ ክሳብ ሕዚ ዘይሃነፅና ተባሂሉ ንዝለዓል ሕቶ፣ ብድርቂ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይሞተናን ብዝብል ዓይኒ ሓፋሽ ዝደፍን ተኸላኻላይ መልስን መግለፅን ዝህብ ገዛኢ ስርዓትን ኣመራርሓን ዓገብ ክበሃል ይግባእ።

ከም ውፅኢቱ እውን እንተኾነ ኩሉ ረብሓታቱን መሰሉን ዝተነፈጎ ህዝቢ፣ ንዘቕርቦም ሕቶታት ካብ ምድንጋር ሓሊፉ ጥር ትብል ዘላቒ ፍታሕን መሰረታዊ ለውጥን ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ሎሚ ናብ ክወፆ ዘይኽእል መፃብቦን ረግረግን ክኣቱ ኣኽኢሉዎ ኣሎ።

ፍልፍል ናይ’ዞም ኩሎም ሽግራት እዚኦም እቲ ተማሕፃኒን ኣደናጋርን ግን ድማ ተግባር ዝተስኣኖ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወደግ ብምዃኑ ሎሚ ፀገም ኣፈፃፅማ ስራሕን ሽግር ሰናይ ምምሕዳርን ኣለውና እናተብሃለ ወገሐ ፀበሐ ፀሓይ ምስ ዓረበ ንምስሉይነት ዝግበር ዝተለመደ ኮንቱ ምኽኒት ዝቕበል ኣይኮነን ዝሰምዕ እዝኒ 'ውን የለን።

እቲ ምንታይሲ፣ ሎሚ ህዝቢ ነቲ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ናይ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ዝወለዶም ዘልዕሎም ዘሎ ማእለያ ዘይብሎም መሰረታዊ ሽግራት፣ ካብ መሰረቶም ከይተሓከሙ ነዲሮም ዝፀንሑ ቁስልታት ብምዃኖም፣ እዚኦም ክሕከምሉ ዝኽእሉ እንኮ መንገዲ ድማ ንኹሎም ህዝብታት ዘሳተፈ ዘተን ምርድዳእን ደኣ 'በር፣ ካብ ግልፅነት ዝዓሰሎ ዘተን ፍታሕን ሃዲምካ ብናይ ጠቐነን ምድንጋርን ሸፊንካ ኣብ ርሑቕ ክትሓድር ምህቃን ግን ፈፂሙ ከም ዘይከኣል ክፍልጡ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment