Saturday, April 2, 2016

ኣብ ከተማ መቐለ ብተደጋጋሚ ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህቲ የጋጥም ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ'ታ ከተማ ገሊፆም።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ከተማ መቐለ ቅድም ክብል ብምኽንያት ሕፅረት ትራንስፎርመር ዝወለዶ ናይ ሓይሊ መብራህቲ ምቁራፅ የጋጥማ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ድማ ካብ 9 መጋቢት 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ መብዛሕቲአን ከባቢ ምምሕዳራት ናይ'ታ ከተማ፣ ናይ ሓይሊ መብራህቲ ምቁርራፅ የጋጥም ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ከም ሳዓቤኑ ከዓ ኣብ ሰብ ትካላት ሓፂን መፂን፤ ፅርበት ዕንፀይቲ፤ ፎርኖ፤ ሰብ ሆቴል፤ ኢንተርኔት ካፌን፤ ቤት ቁርስን ካልኦትን በቲ ፀገም ምኽንያት ንኽሳራ ይቃልዑ ብምህላዎም፣ መዓልታዊ ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ተሸጊሮም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ፣ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማ ተኣኪቦም ነቲ ኩነት ንምርዳእ ናብ ቤት ፅሕፈት ሓይሊ መብራህቲ ብምኻድ ዋላ'ኳ እንተሓተቱ ናይ ትራንስፎርመር ምቅይያር ንገብር ስለ ዘለና አብ ቀረባ ግዜ ፍታሕ ክረክብ እዩ  ብምባል፣ ዘይትግበር ልሙድ መብፅዓ እኳ እንተኣተዉ፣ እንተኾነ ግን ክሳብ ሐዚ ዝተርአየ ለውጢ ከም ዘየለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



No comments:

Post a Comment