Saturday, April 2, 2016

ፅምኣት ፍትሒ ዘገበሶ ህዝባዊ ናዕቢ ናይ ግድን እዩ ክረክብ መዕለቢ!!



ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ጋዜጠኛታት ሬድዮ ዴምህት ፅምኣት ፍትሒ ዘገበሶ ህዝባዊ ናዕቢ ናይ ግድን እዩ ክረክብ መዕለቢ!!
 ብዝብል ኣርእስቲ ብሬድዮ ዴምህት ዘቕረብዎ ሓበራዊ ዘተ እዋናዊ ጉዳይ ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ብፅሑፍ መልክዕ ክነቕርበልኩም መሪፅና ኣለና፣ ሰናይ ንባብ፣  

ጋርዛ, ዳግማይ ሰላምታና ተቐበሉ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ሰማዕቲ ሬድዮ ዴምህት ከመይ ኣለኹም እናበልና ኣብ ናይ ሎሚ ዕለተ ረቡዕ ፈነወና ሓደ መዛተይ ርእሲ ኢና ሒዝና ቀሪብና፣ ንሱ ድማ እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተጎሃሂሩ ዝቕፅል ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታትን፣ በቲ ገዛኢ ስርዓት በቢግዜኡ ዝወፁ ዘለዉ ነኒ ባዕሎም ተገራጨውቲ ዝኾኑ መግለፅታትን ዝምልከት እዩ፣ 
   
ደስታ, ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ግዜ ብዜና እወጃናን ብዝተፈላለዩ መደባትን ክንዛረበሉ ፀኒሕና ኢና፣ እንተኾነ ግን እቲ ጉዳይ ብዘይ ዝኾነ መዕለቢ እናቐፀለ ህይወት ዜጋታትና ይሃልቕ ስለ ዘሎ፣ ንህዝብና ተወሳኺ ሓበሬታ ንምሃብ፣ ከምኡ 'ውን እቲ ሐዚ ብገዛኢ ስርዓት ተዋሂቡ ዘሎ ተጋጊና ኢና ዝብል መግለፂ፣ ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ንህዝብና መረዳእታ ክንህብ ህዝባዊ ሓላፍነትና ስለ ዝእዝዘና እዩ፣     
   
ጋርዛ, ግርም! ዕላማ ናይዚ ሕዚ ነካይዶ ዘተ እዚ ካብ ኮነ ብቐጥታ ናብኡ ክንኣቱ፣ ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ን25 ዓመታት ብዘይፍቓድን ድሌትን ህዝቢ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ውድብ'ዩ፣ እዚ ውድብ እዚ ኣብ ህዝብና የብፀሖም ኣሎ ጠጠው ክብሉ ይግባእ፣ ኢልኩም ትጠቕስዎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብዛ ዘላትና ሓፃር ግዜ ክትገልፁለይ እኳ የፀግም'ዩ፣ ብዝኾነ ግን እስከ ብወሳናይ መልክዑ፣ ክትገልፁለይ ፈትኑ ናብ ዝርዝር ከይኣተኹም ብጥቕልሉ፣ ቀዳማይ ዕድል ንኣዜብ ሂበያ ኣለኹ፣ ምኽንያቱ ቀዳምነት ንደቂ ኣነስትዮ ስለ ዝኾነ፣

ኣዜብ, የቐንየለይ ቀዳማይ ዕድል ስለ ዝሃብኩምኒ፣ ናብቲ ዝሓተትካና ሕቶ ክኣቱ ከለኹ፣ ንባሕሪ ኢኻ ግለፅዎ ኢልካና ዘለኻ፣ ምናልባት ግን እዚ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ስልጣን ብሓይሊ ካብ ዝቆፃፀር ንደሓር ማእለያ ዘይብሎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት'ዩ ፈፂሙ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ተግባር ንሱ'ዩ ዘሎ፣ ንፁሃት ዜጋታትና ብዘይ ገበን ቀቲሉ፤ ኣሲሩን ጨውዩን ኣጥፊእዎም እዩ፣

        ኣብቲ ስርዓት ንዝረኣዩ ጉድለታት ዝተዛረበን ሓሳቡ ብፅሑፍ ንዝገለፀን ዝነቐፈን ከም ወንጀለኛ እናቖፀረ ሽታ ማይ ገይርዎም እዩ ብመጭወይቲ ብመቕተልቲ፣ ሕቶ ህዝቢ ሰሚዕኻ ኣብ ክንዲ ግቡእ መልሲ ምሃብ መሰለይ ኢሉ ሰልፊ ንዝወፀ ህዝቢ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ብኣድራጋ ጠያይቲ ኣብ ማእኸል ጎደና ህይወቶም ቀዚፍዎም እዩ፣ ደሞም ብከንቱ ኣፍሲስዎ እዩ፣ ብሓፈሻ ግን ኣዝዩ ዘግናኒ ዝኾነ ፀረ ህዝቢ ተግባራት እናፈፀመ ዝመፀ ስርዓት እዩ ኢለ ክገልፆ ይቐለኒ፣

ደስታ, ከምቲ ዝበልክሞ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ኢህወዴግ ዝተፈፀሙ ገበናት ኣብ ሓፂር ግዜ ንምግላፅ የፀግም እዩ፣ ኮይኑ ግን ኣዜብ ጥቕልል ኣቢላ ገሊፃቶ’ላ፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣምባገነንነቱ ንዓለም ይፋ ገይሩ ኣብ ዘለሉ እዋን ሎሚ ምድያታት ዓለምና ኢትዮጵያ ብናዕቢ ህዝቢ ተናዊፃ ውዒላ፤ ክንድዚ ኢትዮጵያውያን ተቐቲሎም፤ ቆሲሎም፤ ተኣሲሮም ኣብ ምባል እየን ተፀሚደን ዝርከባ። እዚ ድማ መግለፂ እቲ ስርዓት ናይ ዝፍፅሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይመስለኒ፣ ብርግፅ 'ውን ንሱ እዩ እቲ ሓቂ፣

ጋርዛ, ካብ ዝሓለፈ ኣምባገነን ወታደራዊ ስርዓት ደርግ ዘይተምሃረ ኢህወዴግ መተካእታ ናይ ደርግ ቀይሕ ራዕዲ፣ ኣግኣዝን ፌደራል ፖሊስን ከምኡ 'ውን ኣድማ በተንቲ ዝተብሃሉ ፍሉያት ሓይልታት ኣዳልዩ ካብቲ ዝነኣሰ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ኣፅዋር ኣዕጢቑ ዜጋታትና ኣብ ምጭፍጫፍን ምህላቕን እዩ ተፀሚዱ ዝርከብ፣ እቲ ዝገርም ግን እዞም ሓይልታት እዚኦም ካብ ህዝቢ ዝወፁ እዮም፣ ደመወዞም ህዝብና ብዝኸፍሎ ግብርን ቀረፅን እዩ ዝኽፈሎም፣ ፈለማ ናብቲ ዓውዲ ክኣትዉ ከለዉ 'ውን ንህዝቢ ከገልግሉ እዮም ምሒሎም ዝኣትዉ፣ እንተኾነ ግን ኩሉ ንጎኒ ገዲፎም ህዝቢ ክጭፍጭፉ ክውዕሉን ክሓድሩን ከለዉ፣ መሬት ወጊሑ እዋን ምስ ተቐየረ፣ ብምፅናት ደቂ ሰባት ክሕተቱ ምዃኖም ዝፈልጡ ኣይመስለንን፣

ኣዜብ, እዚ ስርዓት እዚ እቲ ብጣዕሚ ከፋፋሊ ኣረሜናዊ ምዃኑ ዘነፅረልካ ኣብነት ድማ፤ ኣብ ሓደ ከባቢ ጨፍጫፍ ክገብር እንተኾይኑ፣ ናይ ካሊእ ብሄር ተወለድቲ ዝኾኑ ዕጡቓት እዩ ኣገዲዱ በልዎም ዝብሎም፣ እዚ እንታይ ስለ ዝደለየ እዩ? እቲ ሓደ…. እናረኣየ ንኣዲኡ፤ ንሓው፤ ንሓፍቱ ዝቐትል ሰብ ክህሊ ስለ ዘይኽእል፣ ካብ ካሊእ ከባቢ ዝመፀ እንተኾይኑ ግን ምስቲ ሓለፍቱ ብድሕሪት ኮይኖም ቅተል እናበሉ ዘገድድዎ ብተዛማዲ ንሱ ክጭክን ይኽእል እዩ፣ ብኻሊእ ወገን ድማ ብሄር ምስ ብሄር ንምግጫው ኣምሓራ ትግራይ ጨፍጪፉና ክብሉ ኦሮሞ ትግራይ ጨፍጪፋትና ክብሉን እቶም ካልኦት 'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት ቅርሕንቲ ንኽሕዝ ዝዓለም እዩ፣

        ንኣብነት ነዚ ኣብ ኦሮሞ ዝካየድ ዘሎ ናዕብታት ንምድኻም ናይ ኣምሓራ ወይ ናይ ትግራይ ተወለድቲ ኣብኡ ከይዶም ህዝቢ ንክጭፍጭፉ እዩ ዝገብር ዘሎ፣ እዚ ድማ ንፁር 'ዩ መልእኽቱ፣ ሓደ ተወላዲ ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዓይኑ እናረኣየ  ክጭፍጭፍ ኣይኽእልን ተመሊሱ ብረቱ ናብቲ ስርዓት ከቕንዖ ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ስግኣት እዩ፣ ናይዚ ኣብነት 'ውን ብዙሓት ካብ ኦሮሞ ዝውለዱ ዕጡቓት ናይቲ ስርዓት ብረቶም ደርብዮም ምስቲ ህዝቢ ዝወገንሉ ኣጋጣምታት ተፈጢሩ ነይሩ፣ ካብ ካልእ ብሄር ዝወፁ ዕጡቓት ተገዲዶም ወይ ድማ ተታሊሎም ክጭፍጭፍዎ ክግበር እንከሎ ግን፣ ካልእ ደምነት'ዩ ዝተክል፣ እቲ ህዝቢ ኣምሓሩ ይጭፍጭፉና ኣለዉ ወይ ተጋሩ፤ ይቐትሉና ኣለዉ ዝብል ስምዒት ንክሕዙ ዝዓለመ ተግባር ድማ እዩ፣

ደስታ, ትኽክል ኣብዚ ሐዚ እቲ ስርዓት ንባዕሉ ነፃ ኣውፂኡ እቲ ባእሲ ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረ ሰባት ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፣ ብሄር ብሄረ ሰባት ሃገርና ባዕሎም ንባዕሎም ክበኣሱን ዘይክተኣማመኑን እንተኽኢሎም ድማ ሓድነት ህዝብታት ይበታተን ስለ ዘሎ ሓደ ኮይንኻ ኣንፃር እቲ ገበነኛ ስርዓት ክትቃለስ ኣይትኽእልን፣ በዚ መሰረት ድማ እቲ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ኣሎ ማለት እዩ፣ እዚ ሓደ ኣካኪኖስ ዝኾነ ስርዓት ዝኣልሞ እከይ ተግባር እዩ፣ ህዝቢ ንህዝቢ እናጋጨኻ ሓድነቶም በታቲንካ ንባዕልኻ ክጥዕመካ ምድላይ 'ውን ናይ ሓደ ድኹም ኣታሓሳስባ ዘለዎ ሃገራዊ ራኢ ዘይብሉ ስርዓት ዝፍፅሞ ተግባር እዩ፣

ጋርዛ, በዚ ሽርሕታት እዝን ካሊእን ስርዓት ኢህወዴግ ካብቶም ብግልፂ ኣብ ኣደባባይ ዝኣሰሮም ዝቐተሎምን ንኣካለ ስንኩልነት ዝዳረጎም ወገናትና ንላዕሊ ብሕቡእ ጨውዩ ዝቐተሎም ኣካሎም ዘጉደሎምን ኣብ እሱር ዝዳጎኖምን ካብ ምብዝሖም ዝተልዓለ ብቑፅሪ ንምግላፅ የፀግም እዩ፣ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን መግረፍትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ፤ ናይ ዘርኢ ኣካላቶም ከም ዘይሰርሕ ተገይሩ መኺኖም ዝወፁ፤ ንዝተፈላለዩ ስነ ኣእሙራዊ ሕማማት ዝቃልዑ ወገናትና ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም፣ እዚ ድማ ካብ ጀነሳይድ ፈሊኻ ዘይረአ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ታኣዊጁ ዘሎ መርዚ እዩ ኢልካ ምግላፅ ይቐልል፣

ኣዜብ, ከምቲ እዚ ዕላል ክንጅምሮ ከለና ዝበልናዮ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈፀሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዘርዚርካ ክትገልፆ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ጀሚርናዮ ክንብል 'ውን ኣይንደፍርን ብዙሕ ግፍዕታት'ዩ ተፈፂሙን ዝፍፀም ዘሎን፣ ብዝኾነ ግን እስኪ እቲ ስርዓት ነዞም በብእዋኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርዱ ዘለዉ ግፍዕታት ከመይ እዩ ዝሪኦም፣ ከም ዝተፈፀሙ ይኣምነሎም ዶ? ንምፍትሖም’ከ እንታይ ዝወሰዶ ተበግሶታት ኣሎ? ናብ ዝብል እንተሰገርና ይሓይሽ ይመስለኒ፣ ደስታ ብኣኻ ክንጅምር፣
        
ደስታ, ሐራይ ፅቡቕ… ብመጀመርያ ነገር ስርዓት ኢህወዴግ ተጋግየ እየ ኣብ ምባል ዝቕድሞ የብሉን፣ እንተኾነ ግን ጌጋታቱ ኣብ ምስትኽኻል ግን ኣዝዩ ዝደኸመ ባህሪ ዘለዎ ስርዓት'ዩ፣ እቶም ዝፍፀሙ በደላት ይፍፀሙ ከም ዘለዉ ክኣምነሎም እንከሎ 'ውን ሓደ ሓደ ውልቀ ሰባት ከም ዝፈፀሙዎ ብምግላፅ ንሳቶም ንክሕተቱ እዩ ዝገብር፣ ዋላ 'ውን ነቶም ብደረጃ ውልቀ ሰባት ዝፍፀሙ እዮም ዝብሎም ፀገማት 'ውን እንተኾነ ክፈትሖም ኢሉ ተበጊሱ ኣይፈልጥን፣ ብዓብይኡ ብሰንኪ ጉድለታት ናይቲ ስርዓት ንዝፍጠሩ ህዝባዊ ተቓውሞታት ድማ ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝኣለምዎ እዩ፣ ልምዓትና ዘይደልዩ ወገናት ዝኣጎድዎ'ዩ ወዘተ እናበለ'ዩ፣ ናብ 2 ኣካል ዘሰጋግሮም፣

       ርሑቕ ከይከድና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተፈፀመን ዝቕፅል ዘሎን ማለት ኣብዘን ዝሓለፍናየን ኣርባዕተ ወርሓት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ናዕብታት ስርዓት ኢህወዴግ ነዚ ህዝባዊ ዓመፅ እዚ ተቐባልነቱ ንምድኻም ኢሎም ብፀረ ሰላም ሓይልታትን ብተቓወምትን ዝተወለዐ እዩ ብምባል ብዙሕ ግዜ ክልፍልፉ ተሰሚዖም እዮም፣ ነዚ ህዝባዊ ማዕበል እዚ ንምዝሓልን ንምጥፋእን ድማ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 200 ዝኸውን ህይወት ንፁሃት ዜጋታትና ኣሕሊፉ እዩ፣ እዚ ኩሉ በልዎም እናበለ ንፁሃት ኣሕዋትና ከጨፍጭፍ ዝሓገየ ስርዓት ግን ኣብዚ ቅንያት እዚ ይቕሬታ ተጋጊና ኢና ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ፣ ንዓይ ብጣዕሚ ኣግሪሙለይ እዩ፣
  
ጋርዛ, ዝኣኽለንያ ጥሒነንስ ባኣለማርያም'ዩ ይብላ፣ ዝባሃል ከምዚ'ዩ እቲ ንዓይ ብጣዕሚ ዘተሓሳሰበኒ ነገር ሓደ እዚ'ዩ፣ ብዙሓት ሰባት ይቕሬታ ምባል ፅቡቕ እዩ፣ ናይ ለባማት ዘረባ እዩ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ፣ ካብ ልቢ እንተዝኸውን 'ውን ኣይምተፀልአን፣ ኮይኑ ግን ኣብ ውሽጡ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ እዩ፣ ወያነ ናይ ብሓቂ ጉድለቱ ከም ዝኾነ ኣሚኑ ስለ ዝተቐበሎ ኣይኮነን ይቕሬታ ዝብል ዘሎ፣

ኣዜብ, ከመይ ማለት?

ጋርዛ, ፅቡቕ… እቲ ብመንገዲ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ኣብ ፓርላማ ዝቐረበ መግለፂ ብዝግባእ ተኸታቲልናዮ እንድሕር ኮይንና፣ እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያን ዙርያ ኣዲስ ኣበባን ዘጋጠመ ተቓውሞ ጠንቁ ንሕና ኢና፣ ኣቐዲምና ኣእዳውና ናብ ካልኦት ቅድሚ ምውጥዋጥና ናይ ባዕልና ጉድለት ክንፍትሽ ይግባኣና፣ እዚ ተቓውሞ እዚ ዝኾነ ይኹን ናይ ተቓወምቲ ውድባት ምትእትታው ዘይብሉ ብሰንኪ ናትና ፀገም ህዝቢ ዘልዓሎ ሰልፊ'ዩ፣ ቅድሚ ሕዚ ንተቓወምቲ ክነወንጅሎም ምፅናሕና ጌጋ'ዩ ክብል'ዩ ተሰሚዑ፣ እዚ እንታይ ማለት እዩ?

       ስርዓት ኢህወዴግ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ብሓይሊ ብረት ክዓግቶ ከም ዘይኽእል ምስ ተረድኦ፣ ሓላይ ህዝቢ መሲሉ ብምቕራብ ኣንፈት ኣተሓሳስባ ናይቲ ህዝቢ ንምቕያር ብተግባሩ ከም ዝተጠዓሰ መሲሉ ተጋጊና ኢና ይቕረ ግበረልና ብምባል ምስ ህዝቢ ከም መተዓረቒ ዝጥቀመሉ ዘሎ ውዲት እዩ፣ ናይ ዝኾነ ናይ ደገ ምትእትታው ዘይብሉ፤ ተቓወምቲ ውድባት ዘይተሳተፉሉ ብናይ ባዕልና ፀገም ዝተልዓለ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ ምባሎም፣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ሙስሉይነት ኢለ እየ ክገልፆ ዝኽእል፣ ዓበይቲ ወለድና እንታይ ኢሎም ይመስለኩም፣ ንሓደ ፅቡቕ ነገር እንተጠርጢረሞ "እዛ ብርኩታ እምኒ ኣለታ" ኢሎም እዮም ዝምስሉ፣ እዚ ኢህወዴግ ሃበስ ቀደስ 'ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን፣

ደስታ, ኣነ 'ውን ካብኡ ዝተፈለየ ሓሳብ የብለይን፣ ብደም ንፁሃት ወገናትና ጠልቅዩ ካብ ህዝቢ ሙሉእ ንሙሉእ ተነፂሉ ዕርቃኑ ወፅዩ ከም ዘሎ ምስ ተረድኦ፤ እዚ ድማ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ ከም ዘሎ ፈሊጡ ስግኣት ዝወለዶ እዩ ተጋጊና ነይርና ይቕሬታ ዝብል ዘሎ፣
    
ኣዜብ, እዚ ሽርሒ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ካብቲ ተቐርቂርዎ ዘሎ መፃዋድያን ገንፊሉ ዘሎ ማዕበል ህዝብን ንምልቓቕን ቀልቢ ህዝቢ ኣንፈቱ ቀይርካ ንምድንጋርን ዝዓለመ እምበር እቲ ስርዓት ካብ ጉድለታቱ ተኣሪሙ ድልየታት ህዝቢ ከማልእ ስለ ዝደለየ ኣይኮነን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ስርዓት ሃይለማርያም ደሳለኝ ነቲ ኣብ መላእ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተላዒሉ ዘሎ ሓያል ናዕቢ ህዝቢ ንምዝሕሓል መልኣኽ ክመስል ጠንቂ እዚ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን ዝተፈፀመ ገበንን ተሓተቲ ኣነን መንግስተይን ኢና ክብል ንነብሱን ነቲ ንሱ ዝመርሖ ፓርትን ገበነኛታት ኢና ክብል ስለ ዝኣመነልና ግን ክነመስግኖ ንፈቱ፣ ካብ ታሓታትነት ግን ዘድሕኖ ኣይኮነን፣
  
ጋርዛ, እወ….. ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ንተቓወምቲ ውድባት ከወንጅል ከም ዘይፀነሐ፣ ሐዚ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ በቲ ማንታ መልሓሱ ተገራጫዊ ሓሳብ ምቕራቡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓያል ናዕብን ነውፅን ዝወለዶ ጭንቂ ምዃኑ ርዱእ ነገር እዩ፣ ኮይኑ ግን እዚ ሙስሉይነት ዘረባ ኢህወዴጋውያን ንህዝብና ከታልሎ የብሉን በሃሊ እየ፣ ምኽንያቱ ዕላማ ናይቲ ስርዓት ህዝቢ ኣታሊሉ ቃልሲ ህዝቢ ኣዳኺሙ ሐዚ 'ውን ኣብ ስልጣን ንምቕፃል እዩ ሕልሙ፣

ደስታ, ስርዓት ኢህወዴግ እዚ ኩሉ ዝሃለቐ ንፁህ ዜጋ፤ እዚ ኩሉ ብኣሸሓት ዝቑፀር ንብረቱን ቤተ ሰቡን በቲኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐ ዘሎ ወገን፤ እዚ ኩሉ ብሕሱም መግረፍቲ ኣካሉ ዝጎደለ ዕሸል ንሕና ኢና ቀቲልናዮ ገበነኛታት ኢና ኢሉ ኣሚኑ ኣሎ፣ ብመሰረት ሕጊ ሃገርና ድማ ነዚ ገበን ዝፈፀመን ንክፍፀም ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ሓላፍን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣትዩ ክሕተት ኣለዎ፣ ነዚ ኩሉ ብዘይወዓሎ ገበን ዝተኣሰረ ዴሞክራስያዊ መሰሉ ስለ ዝሓተተ ጥራሕ ዝተጨፍጨፈ ህዝቢ ድማ ካሕሳ ክረክብ ይግበኦ፣

ጋርዛ, ሓሳብካ ፅቡቕ እዩ፣ ምናልባት ግን ህዝቢ ካብቲ ስርዓት ካሕሳ ኣይኮነን ዝደሊ ዘሎ ድሌቱ ኢህወዴግ ዝባሃል ውድብ ተፀሪጉ ካልእ ህዝቢ ዝኣምነሉ ውድብ ስልጣን ክሕዝ 'ዩ ዝደሊ ዘሎ ምኽንያቱ እቲ ዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ ንለውጢ ዳኣ እምበር ንካሕሳ ዝዓለመ ኣይኮነን፣ ብመሰረቱ 'ውን ክንድዚ ዝኣክል ህይወት ዘህለቐ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክቕፅል ዘይኮነስ ካብ ስልጣኑ ተጓሒፉ ብዴሞክራስያዊ ስርዓት እዩ ክትካእ ዘለዎ፣ ብመንፅር ሕጊ እንተርኢናዮ ድማ ተጋግየ እየ ስለ ዝበልካ ጥራሕ ካብ ተሓታትነት ተምልጥ ማለት ኣይኮነን፣    
         ብዓብይኡ ድማ ኣብ ዝሓለፈ መረፃ 2007 ዓ/ም ህዝብና 24 ዓመት ሙሉእ ካብ ስርዓት ኢህወዴግ ዝረኸብናዮ ለውጢ ስለ ዘየለ ንካልእ ዘርብሓና ፓርቲ መሪፅና ኣለና፣ ብምባል ወያነ ኣብቲ መረፃ ተሳዒሩ እናሃለወ ብኣንጻሩ ድማ ስርዓት ኢህወዴግ ሚኢቲ ካብ ሚኢቲ ድምፂ ህዝቢ ረኺበ ተዓዊተ ብምባል ኣዊጁ ኣብ ስልጣን ይቕፅል ኣሎ፣ ስለዚ ብሓቂ ንህዝቢ ይቅርታ ክሓትት እንተደኣ ኮይኑ ሓምሻይ ሃገራዊ መረፃ ኣዳናጊሩ ዝሰረቖ ድምፂ ህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቱ ካብቲ ብሓይሊ ሒዙዎ ዘሎ መንበረ ስልጣን ክወርድን ብሰለማዊ መንገዲ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብን ይግባእ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ።

 ኣዜብ, ንኹልና ዘሰማምዕ ሓሳብ እዩ፣ ምኽንያቱ ቀንዲ ናይ ህዝብና ሕቶን ኣብ ሃገርና ህውከትን ዕግርግርን ክፍጠር ኣኽኢሉ ዘሎ ፀገምን መበገሲኦም እዚኦም እዮም፣ ስርዓት ኢህወዴግ ድልየታቱን ሕልምታቱን ክውን ንምግባር ንዘልኣለም ኣብ ስልጣን ክነብር እንደተኣ ኮይኑ ንፁሃት ዜጋታት ብሓይሊ እናጨፍለቐን ዜጋታት ካብ ሃገሮም እናወፁ ኣብ ስደት ክነብሩን ሃገርና ባዶ ክትተርፍን ህዝባ ድማ ክፀንት ዝገብር ስርዓት ስለ ዝኾነ ጌግኡ ኣሚኑ እዩ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዘለዎ፣ እንተዘይኮይኑ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረዶ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ብይቕሬታ ዝሕለፍ ኣይኮነን፣  

ደስታ, ደሓን እዚ ኩሉ ኣብ ህዝቢ ዘውረዶ ህልቂት ብጌጋ እዩ ይቕሬታ ይብል ኣሎ፣ ስለዚ ብድሕሪ ሐዚ ዝካየድ ተቓውሞታት እቲ ስርዓት ክዓግቶ ኣይኽእልን፣ ከምቲ ዝሓለፈ ሰራዊት ሰዲዱ ኣይጭፍጭፍን፣ ንዝግበር ህዝባዊ ተቓዉሞ ክዓግት ኣይፍትንን ማለት እዩ፣ እቲ ክኸውን ዝግበኦ ንሱ እዩ፣

ኣዜብ, ከምዚ እንተኾይኑ ከዓ ኣብ ትግራይ ሰለማዊ ሰልፊ ንከይግበር ብፅኑዕ ተኸልኪሉ ዝነበረ መምርሒ ተጣሒሱ፣ ንዓመታት ተዓቢጡ ዝነበረ ቁጠዐ ህዝቢ ሎሚ ልክዕ ከም እሳተ ጎመራ ክግንፍል እዩ ማለት እዩ፣
   
ጋርዛ, ምስላ ኣብዚሕኻ ኣይትበሉኒ እምበር፣ ካብ ብዙሕ ምዝራብ ክምስል ምደለኹ፣ "ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ" ወይ ድማ "ኣመል ምስ መግነዝ" እዩ፣ ኢህወዴግ ካብ ቀደሙ ዘይነበሮ ባህሪ ሎሚ ክፈጥሮ ኣይኽእልን፣ ሐዚ 'ውን ህዝባዊ ተቓውሞ እንተተላዒሉ ጨፍጫፍ ካብ ምክያድ ንድሕሪት ከም ዘይብል ክትፈልጡ ይግባእ፣ በቲ በለ በቲ ግን እቲ ህዝባዊ ናዕብታት በዚ ኣጋጣሚ ክለዓል እዩ ዝግበኦ፣ ኣብተን ክሳብ ሐዚ ሰለማዊ ሰልፊ ከይገብራ ተኣጊደን ዝነበራ ክልላት ከይተረፈ ህዝቢ ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ ከፊሉ እዚ ስርዓት እዚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣኑ ሓግሒጉ ክድርብዮ ጥራሕ እዩ ዘለዎ፣ ኣነ ከምኡ እዩ እምነተይ፣

 ደስታ, እምነትካ እምነት ኩልና እዩ፣ ብዝኾነ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዙሕ ክንዛረብ ምኽኣልና እንተኾነ ግን ሰዓትና ይኸይድ ስለ ዘሎ መጠቓለሊ ንግበረሉ፣

ጋርዛ, ኣነ እንታይ እየ ዝብል በቲ ስርዓት ተታሊሎም መጋበርያ እቲ ስርዓት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናቶም ገበን ዝፍፅሙ ዘለዉ ናይቲ ስርዓት ፌደራል ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ስርዓት ሓለፋይ ህዝቢ ድማ ነባራይ ከም ዝኾነ ተረዲኦም ግዜ ከይሃደሞም ነቲ ፀሊም ታሪኽ ሰሪሑ ዝሓልፍ ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ኢህወዴግ ራሕሪሖም ዓጢቖምዎ ዘለዉ ኣፈሙዝ ኣብ ክንዲ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ናብቲ ገበን ዝፍፅም ዘሎ ስርዓት ከቕንዑ ይግባእ፣ ኣብቲ ዘይተርፍ ለውጢ ኢዶም ክሓውሱን ምስ ህዝቢ ክውግኑን ኣለዎም፣

 ኣዜብ, ድሮ 'ውን በቲ ስርዓት እናተልኣኹ ህዝቢ እናጨፍጨፉ ዝፀንሑ ሰራዊትን ፌደራል ፖሊስን ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ንሰላምን ዴሞክራስን ምስ ዝቃለሱ ተቓወምቲ ውድባት ብምፅንባር ንህዝቦም ክኽሕሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ካብኡ ሓሊፉ ግን እቲ ስርዓት ኣደናጊሩ ኣብ ስልጣን ንክቕፅል ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ቀረባ ኣገልገልቱ ካድረታትን ሰራዊትን ፌደራል ፖሊስን እናወንጀለ ግዳይ ብምግባር ዕድመ ስልጣኑ ንኸናውሕ ካብ ምስራሕ ስለ ዘይቑጠብ ብንቕሓት ክጥምትዎ ይግባእ፣

ደስታ, ስለዚ ናይዚ ገበነኛ ስርዓት ተለኣኣኽቲ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቦም፣ ኣሕዋቶምን ቤተሰቦምን ገበን ምፍፃም ፅባሕ ንጉሆ ህዝቢ ብገበን ክሓቶም ስለ ዝኾነ ካብዚ ገበን ነፃ ክኾኑ ምእንቲ ምስ ህዝቦም ወጊኖም ኣንፃር እቲ ስርዓት ክቃለሱን ህዝቦም ክኽሕሱን ይግባእ ኢልና ክነጠቓልሎ፣

ጋርዛ, ክቡራትን ክቡራናን 'ውን ምሳና ፀኒሖም ስለ ዝተኸታተሉና ኣዚና ክነመስግኖም ንፈቱ፣ ካብዚ ዘቕረብናዮ ዘተ ዝመስል ዕላል 'ውን ሓቅታት ጨቢጦም ከም ዝኾኑ ኣይንጠራጠርን፣ መደብና በዚ ኢና ክንዛዝሞ፣ ሰላም ቅነ፣


   



No comments:

Post a Comment