ብስእሊ ተደጊፉ ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ናይ ሶሲኦሎጂ ዲፓርትመንት ካልኣይ ዓመት ተምሃራይ ዝኾነ ተክለ ቶማ ዝተብሃለ መንእሰይ ኣብ መጨረሻ ወርሒ
ሕዳር ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ብዝተልዓለ ናይ ተምሃሮ ተቓዉሞ ተተሓሒዙ፣ ምንም ዝገበሮ ወንጀል ዘየብሉ ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ድሕሪ
ምሓዙ፣ ብወታሃደራት ኣግኣዚ ብከቢድ ተደብዲቡ፣ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ መሪር ስቓይ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ብ24 መጋቢት
2008 ዓ/ም ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ደምና ሓደ ክሳብ ዝኾነ ኩሉ
ሰብኣዊ ፍጡር ዝኾነ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ብሓባር ከዉግዞ ኣለዎ ክብሉ ብዙሓት ወገናት እንትገልፁ፣ ቤተሰብ መዋቲ ግን ዝኾነ ዓይነት
ሓበሬታ ከይህቡ ካብ ሞትን ካብ ህይወትን ሓዲኡ ምረፁ ዝብል መጠንቅቕታ ሰለ ዝተዉሃቦም ስቕ ክብሉ ከም ዝተገደዱን፣ እቶም ቀተልቱ
ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ቤተሰብ መዋቲ ድማ ዝግባእ ካሕሳ ክኽፈሎም ብሓባር ንቃለስ ዝብል ርኢቶታት ካብ ነበርቲ ናይ'ቲ ከባቢ
ይልዓል ከም ዘሎ፣ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment