Wednesday, April 27, 2016

ሰናይ ምምሕዳር ብጉልባብ ክራይ ኣካብነት እንትግለፅ፣



     ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ዘይተረጋገፀሉ ደረጃ ኮይንካ ህዝብን ሃገርን ናብ ዝለዓለ ብርክን ምዕባለን ንምስግጋር ዘይከኣል ምዃኑ ዝስሕቶ ወገን የለን። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጥኻን ኣብ ቅድምየኻን ሓሊኹ ምንቅስቓስ ዝኸልአካን ማሕንቖ ዕብየትካን ኮይኑ ንህላወኻ ዝፈታትን ኣሰራርሓ ከይፀረካ መሰረታዊ ለውጢ ክመፅእ ስለ ዘይኽእል።
    ስለ'ዚ ነቲ ዓንቃፊ ዕብየትን ለውጥን ዝኾነ ብዝግባእ ተፈሊጡ ካብ ሱር መሰረቱ ሚሒኻ ንምድርባይ ካብ ዝኾነ ተፅዕኖ ነፃ ዝኾነ ብናይ ሕጊ ኣካል ተፃርዩ ሕጋዊ  ስጉምቲ ክዓርፎ ይግባእ። እንተኾነ ግን እቲ ማሕለኻ ዕብየትን ለውጥን ባዕሉ፣ እቲ ናይ ሕጊ ኣካል እውን ባዕሉ እንተኾኑ ግን፣ እቶም ፀገማት ህዝብን ሃገርን ዓሰርተ ሻዕ እንተተፀርሑ መሰረታዊ ለውጢ ክፍጠር ይኽእል እዩ ኢልካ ትፅቢት ምግባር፣ መሊስካ ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕትን ከርፋሕ ሂወትን ካብ ምስጣሕ ሓሊፉ ካልእ ዝፍጠር ተኣምር ኣይክህሉን።
    መራሕትን ካድረታትን ኢህወደግ ነቲ ነፃነቱን መሰሉን ብሓይሊ ዓፊኖም ሰንሰን ዘበሉዎ ህዝቢ፣ ሎሚ ጠንቅን ማሕንቖን ሰናይ ምምሕዳር ምስፍሕፋሕ ክራይ ኣካብነት እዩ፤ ክራይ ኣካብነት ድማ ካብ ሱር መሰረቱ ንምጥፋእ  ንረባረብ እናተብሃለ ካብ ላዕለዎት ናይ ፌደራል ኣካላት ጀሚሩ ክሳብ እታ ዝነኣሰት ጥርናፈ ኔት ወርክ ብዘይ ሓደ ፍረ ክደጋገም ከሎ፣ ነቲ ንስለ ህዝብን ሓቃኛ ፍትሕን ዝሕለቕ ወገን ኣዝዩ መስደመም ኮይኑዎ ኣሎ።
   ምኽንያቱ ክራይ ኣከብቲ መን እዮም? ጠንቂ ክራይ ኣካብነት ከ እንታይ እዩ? ክራይ ኣካብነት እታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ዋላ እኳ ኑፁር ዝኾነ ቱርጉም ዝሓዘ መረዳእታ ኣይሃሉ፣ በቲ ናታቶም ቋንቋ ክረአ ከሎ ድማ ዝተውሃበካ ሓላፍነት ብግቡእ ዘይምፍፃምን ከምኡ 'ውን ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ኣብ ውልቀ ረብሓኻ ምውዓልን ምጥፍፋእን ብዝብል ጉልባብ  የትሕዝዎ።
  እንተኾነ ግን ተግባራውነቱ ኣብ ባይታ ወሪዱ ነቲ ቀንዲ መሳለጢ ክራይ ኣካብነት ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሃገርን ሰላምን ዝተረጋግዐ ሂወትን ንምህናፅ ሓሊኹ ሰንሰን ዘብል ዘሎ ኣካል ብዝግባእ ተፈቲሹ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣይተርኣየን።
    እቲ ምንታይ እቶም ቀንድን በከልትን ሞቶር ክራይ ኣካብነት ኮይኖም ዕብየት ህዝብን ሃገርን ንድሕሪት ዝጎቱን ግዕዚና ክስፋሕፋሕን፣ ኩሎም ህዝቢ ዝግልገሎሎም ኣብያተ ፅሕፈትን ትካላትን ዘጋዕዘዩ ኣካላት፣ እቶም ሕዚ መዓልታዊ ክራይ ኣካብነት ንዋጋእ እናበሉ ኣብ ሕድሓድ ዝተፈጠረት ኣኼባን ሚድያን ዘላግፁ ዘለው፣ ካብ ላዕለዎት ክሳብ ታሕተዎት ኣመራርሓ ዋናታቱ ስለ ዝኾኑ። 
   ስለ'ዚ ሕድሪ ህዝቢ ራሕሪሑ ጠልቆም ዝለመደን ጠንቂ ክራይ ኣካብነት ዝኾነ ኣመራርሓን መሓውርን ከይተኣለየ፣ ብዝተለመደ መደናግሪ ቃል እናሻዕ ምድግጋም ደኣ ንምንታይ ይኸውን እንተልና ድማ፣ ንዘስጉኡን ካብ ናይ'ቲ ገዛኢ ስርዓት ዝወፀ ኣረኣእያን ኣመለኻኽታን ኣለዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረን ከምኡ'ውን ክቃወም ወይ ክነቅፍን ክፅሕፍን ዝኽእል ወገን ደሊኻ ንምፅፋዕ  ወይ ርእሱ ኣድኒኑ ንድልየቱን ነፃነቱን መሰሉን ኣብ ውሽጡ ሓቢኡ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ተገዚኡ ንክኸይድ ዝተፈጠረ ክራይ ኣካብነት ብዝብል ሓዱሽ ቃል ብምዃኑ፣ ሎሚ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ክሳብ ታሕተዎት ካድረታትን ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮን ንጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ክራይ ኣካብነት ቀንዲ ዓንቃፊ ልምዓትናን ዕብየትናን እዩ ብዝብል መዓልታዊ መዝሙር ገይሮሞ ኣለው።
  እንተኾነ ግን ኣብ ሃገርና ንስእነት ሰናይ ምምሕዳር ብጉልባብ ክራይ ኣካብነት ተባሂሉ ተሸፋፊኑ ዝግለፅ ዘይኮነስ፣ እቲ ዋና ማሕንቖ ኩሎም ዝተፈጠሩ ሽግራት ናይ'ታ ሃገር እቲ ውክልና ናይ ኣብዛሓ ዜጋታት ዘይብሉ ኢህወዴግ ዝመርሖ ጉጅለን ኣጋር ውድባትን ስለ ዝኾኑ፣ ብታራ ቃል ገሊፅካ ዝፍታሕ ሽግር ህዝቢ ከም ዘየለ ክፍለጥ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment