Wednesday, April 27, 2016

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንዓማፂ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ መሰልጠኒ ማእኸል ዴምህት ከም ዝተፀንበሩ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።



ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ መሰልጠኒ ማእኸል ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ካብ ዝኣተዉ መናእሰይ ንዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል፣
 ጋይም ዓይነይ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ሚልዮን
ሸዊት ገብረኺዳን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታው
ዕሉም ኪዳነ ማርያም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ ወዲ ዓንበራይ
ኣማኒኤል ኣብርሃ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ወርዓትለ
ባራኺ ጉዕሽ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ ወዲ ዓንበራይ
ክፍላይ መዓሾ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ ጣብያ ጤረር እንትኾኑ፣ እቶም መናእሰይ ኣብ ጎኒ ዴምህት ተሰሊፎም ክቃለሱ ካብ ዘገደዶም ምኽንያት እንትገልፁ፣ በቲ ስርዓት ዝፍፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ህዝቢ ንዘጋጠሞ ክብሪ መነባብሮ ሰሪሕኻ ንምንባርን ስራሕ ብዘይ ምህላዉ ተቓሊሶም ፀገሞም ክፈትሑ ምቅላስ ከም ዝመረፁ ገሊፆም።
 ብፍላይ ጋይም ዓይነይ ከም ዝገለፆ ንባዕሉ ኣብ ከተማ ሑመራ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካድረታት እቲ ስርዓት ዘይቡቑዕ ምኽንያት እናፈጠሩ እናኣሰሩ ስለ ዘሸገርዎ ካብዚ ተበጊሱ ድማ ናብ ዝተወለደሉ ዓዲ ዋላኳ እንተተመለሰ፣ ካብኡ ብዝኸፍአ መልክዑ ሽጉጥ ሓቢእኻ ኣለኻ ተባሂሉ ናይ ሓሶት ክሲ ተመስሪትሉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ከም ዝተኣሰረን ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ተኣሲሮም ዝርከቡ መናእሰይ እሱራት መብዛሕትኦም ብዘይ መርትዖ ብጥርጣረ ጥራሕ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።    


     
                

No comments:

Post a Comment