Friday, April 22, 2016

ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዝሕግዝ ብሳይንሳዊ ምርምር ዝተደገፈ ዘመናዊ መሳርሒ ኣብ ሕርሻ ይኹን ካልእ ጨንፋራት እንተዘይ ተኣታትዩ በቲ ሕዚ ዘሎ ፍሒት ክብል ከም ዘይኽእል ተሓቢሩ።



በቢግዝኡ ቁፅሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምምጋብ ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ቀዳምነት ሂብካ ምስራሕ መማረፂ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ እዚ ግብራዊ ንምግባር ድማ ኣብ ምዕባይ ቁጠባ ዝሕግዝ፣ ብሳይንሳዊ ምርምር ዝተደገፈ ዘመናዊ መሳርሒ ኣብ ሕርሻ ይኹን ካልእ ጨንፋራት ንምትእትታዉ ክሳብ ሕዚ መሰረታዊ ለውጢ ብዘምፅእ መልክዑ ክስርሓሉ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ንኹሉ ሕብረተሰብ ማእኸል ብምግባር እንትልካዕ ቁጠባ ኢትዮጵያ ካብ'ቲ ዝነበሮ ዝጭበጥ ለውጢ ከምፅእ ከም ዘይከኣለ ተገሊፁ።
መራሕቲ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ እቲ በቢእዋኑ ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ቁጠባ ሃገር ምዕባይ መጠነ ሰፊሕ ወፍሪ ብምክያድ፣ ህፁፅ ዕቤት ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ መርኣያ ኮይና ኣለና ዝበልዎ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዘየካተተ ድምር ቁፅሪ ብምቕማር ዘቐምጥዎ ዓለም ለኸ መለክዒ ኢኮኖሚ ዘየማለአ ብምዃኑ፣ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን ክብል እቲ ብሰብ ሞያ ተደጊፉ ዝወፀ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

No comments:

Post a Comment