Saturday, May 21, 2016

ናይ ፌዴራል ዋና ኦዲተር ቤት ፅሕፈት ብ9 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፣ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ቤት ፅሕፈታት ናይ 2007 ባጀት ዓመት ሒሳብ መብዛሕትኦም ባጀት ተቐበልቲ ናይ መንግስቲ ትካላት ዘደንግፅ ናይ ሕጊ ጥሕሰት ከም ዝፈፀሙ ኣፍሊጡ።



   ዋና ኦዲተር አቶ ገመቹ ዱቢሶ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ ብዙሓት ዝበሃሉ ናይ መንግስቲ ትካላት ብተደጋጋሚ በቢዓመቱ ዝወሃቦም ርኢቶታት ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ክንዲ ከመሓይሹ ናብ ዝኸፍአ ጥፍኣት ይኣትዉ ከም ዘለዉን ናይዚ ምኽንያት ድማ ተሓታትነት ስለ ዘየለ ከም ዝኾነ ገሊፆም።   
    እቶም ክሕተቱ ኣለዎም ዝተብሃሉ ናይ መንግስቲ ትካላት ኣብቲ ዝርዝር ፀብፃብ ዝተኻተተ እንትኸውን ናይ ኣታውን ጉምርክን ብዓል ስልጣንን ዓሰርተ ዝኣኽሉ ዩንቨርስትታትን ተጠቀስቲ እዮም፣ ብሕጊ ብዝተደንገገ መሰረት ናይ ሰነድ ሒሳብ ኣብ ወቕቱ  ከም ዝተወራረደ ንምፅራይ ኣብ ዝተገበረ ናይ ኦዲት ስራሕ ኣብ 94 ቤት ፅሕፈታትን ኣብ 11 ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈትን 2.079 ቢሊዮን ብር በቲ ደንቢ መሰረት ኣብ ወቕቱ ክወራረድ ከም ዘይከኣለ እቲ ፀብፃብ የመላኽት።
    ኣብ ተኣካቢ ሒሳብ ዝተርኣዩ ዋና ዋና ናይ ኣሰራርሓ ፀገማት ዝተብሃሉ ብዝርዝር ዝቐረቡ እንትኾኑ ኣብ ኣርባዕተ ቤት ፅሕፈታት ናይ ተኣካቢ ሒሳብ ሌጀር ዘይተዳለወሎም 174 ሚሊዮን ብር ከም ዝተረኸበ እንትግለፅ፤ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣታውን ጉምሩክን ኣብ ዘለዉ ሰለስተ ቅርንጫፋትን ኣብ ካልኦት ክልተ ቤት ፅሕፈታትን ድማ ካብ 15.9 ሚሊዮን ብር ንላዕሊ ብወፃኢ ተመዝጊቡ ሪፖርት ክግበር ዝግብኦ ብዘይ ኣግባብ ኣብ ተኣካቢ ሒሳብ ተታሒዙ ከም ዝተረኸበ ኣረዲኡ።
   ንናይ መንግስቲ ኣታዊ ብዝወፁ ሕግታት መሰረት ብኣግባቡ ከም ዝተኣከቡ ንምፅራይ ኣብ ዝተገበረ ኦዲት ኣብ 34 ቤት ፅሕፈታትን ኣብ ትሕቲ ኣታውን ጉምሩክን ዝርከቡ 15 ቤት ፅሕፈታት ብድምር 118.7 ሚሊዮን ብር፣ ግዴታኦም ብዘይምውፅኦም 211,930 ዶላር ግብሪ፤ ቀረፅን ታክስን ከም ዘይተኣከበ ወሲኹ ይገልፅ።

No comments:

Post a Comment