Saturday, May 21, 2016

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈናቐሉ ሓረስቶት ኣብዚ ቀረባ ኣዋን ንዝፀደቀ መምርሒ ብምቅዋም ጥርዓኖም ከም ዘስምዑ ተፈሊጡ።



ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ16 ለካቲት 2008 ዓ/ም ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ልዑል ዝኾነ ናይ መሬት ጥርዓን እንትቐርበሉ፣ ዝተወስደ ቦታ ብዛዕባ መተካእታ ኣዋህባ መምርሒ ምምሕያሽ ጌረ ዝበለ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ካቢኔ ካብዚ መምርሒ እዚ ብተወሳኺ ናይ ካሕሳ ክፍሊት ኣዋህባ ምምሕያሽ ክግበር ናይ ልምዓት መሬትን ማኔጅመንትን ቢሮ ፍትሕን ናይ ዉሳነ ሓሳብ ከቕርቡን ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ዝርከቡ ዝርኣትን ተኽልታትን ንዝወሃብ ካሕሳ ናይ ከተማ ሕርሻን ናይ ከባቢ ሓለዋን ብዓል ስልጣን ናይ ዉሳነ ሓሳብ ንከቕርቡ መተካእታ ህንፀቶም ብዝምልከት ድማ፣ ናይ ኮንስትራክሽን ህንፀት ፍቓድ ቢሮን ናይ ንግዲ ቢሮን ናይ ዉሳነ ሓሳብ ከቕርቡ ኣብቲ ዕለት ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ይፍለጥ።

እዚ ተግባራዊ ስለ ዘይኮነ ድማ ብሕርሻ ዝናበሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሚቴ ብምቁቛም ኣብዚ ቀረባ ኣዋን ንከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘቕረቦ ደብዳቤ ፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘዉፅኦ መምርሒ ምምሕያሽ ተጌርሎም ዝተብሃሉ ነጥብታት ዋላኳ እንተሃለዉ፣ እቲ መሰረታዊ ዝብሃል ነጥቢ ግን ትኹረት ኣይተገበረሉን ብምባል እቲ ሓዱሽ ዘዉኦ መምርሒ ይኹን ኣብ 2004ን 2006ን ዓ/ም ዝወፁ መምርሕታት ከም ዝብልዎ ንሓደ ሓረስታይ 500 ካሬ ሜትር ቦታ ንሓደ ወዲ ሓረስታይ ድማ 250 ካሬ ሜትር ንክወሃብ ዝተዉሃበ መምርሒ ክሳብ ሕዚ ተግባራዊ ከም ዘይኮነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ ሕርሻ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ብልምዓት ምኽንያት ድማ እናተፈናቐሉ ዝርከቡ ሓረስቶት ዘቛቖምዎ ኮሚቴ ብ10 ግንቦት 2008 ዓ/ም እቲ ካቢኔ ኣብ ዘፅደቖ መምርሒ ተቓዉሞ ዘቕረበ ኮይኑ፣ እቲ ኮሚቴ ንሓደ ሓረስታይ ክኽፈሎ ዘለዎ ካሕሳ ካብ ክልተ ሚልዮን ብር ክዉሕድ የብሉን ብምባል ብመገዲ ናይቶም ሓረስቶት ኮሚቴ ኣተሓባባሪ ዝኾኑ ኣይተ ተስፉ ኣቢሎም ጥርዓኖም እንተቕርቡ፣ እቲ ንተፈናቐልቲ ዝኽፈሎም ካሕሳን መተካእታ ቦታን ዉሑድ ምብዃኑ ንሽግር ይቃልዑ ከም ዘለዉ ብምዝኽኻር፣ እቲ ሽግር ድማ ክሳብ ሕዚ ከም ዘይተፈትሐ ተፈሊጡ።


No comments:

Post a Comment