Monday, May 16, 2016

ብትካላት ፍትሒ ኢህወደግ ዝረጋገፅ ልዕልነት ሕጊ የለን



ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከቡ ትካላት ፍትሒ ንዜጋታት ብግልፅነትን ፍትሓወትን ንኸገልግሉን ልዕልነት ሕጊ ከኽብሩን ካብ ሕጊ ወፃኢ ንዝንቀሳቐስ ዝኾነ ኣካል ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተሓታቲ ኣብ ምግባር ዝለዓለ ግደ ይፃወቱ።
    ቀንዲ ስረሖም እውን እንተኾነ ዓለም ለኻዊ ዝኾኑ ናይ ደቂ ሰባት ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ምኽባር፣ ልዕልነት ሕጊ ብዝኽበረሉ ማዕርነትን ፍትሓውነት ዝነገሶ ምምሕዳር ክዓስል ንምግባር ክኸውን ይግባእ።
    ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ትካላት ፍትሒ ክንርኢ ከለና ግን እቲ ስርዓት በቢ እዋኑ ብዘውፀኦም ሰብኣውነት ዝጎደሎም ኣዋጃትን መሳለጢ ኢ-ዴሞክራስያዊ ተግባራቱ ተኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ኑፁሃት ዜጋታትና ንግዳይ ማእሰርትን ስቓይን መጭወይትን ሞትን ብዘይ ንሕስያ እናተፈረዶም ኢዶ ኢሉ ዘድሕኖም ናይ ፍትሒ ኣካል ኣይተረኸበን።
   ከም ውፅኢቱ እውን እንተኾነ እተን ትካኣት ፍትሒ ዝበሃላ ካብ ጠቕላይ  ፍርዲ ቤት ጀሚሩ፣ ክሳብ ማእኸላይ ፍርዲ ቤት፣ ዓቀብቲ ሕግን ሰማዕቲ ችሎትን ካልኦት ናይ ፍትሒ ኣካላት ፣ ኢህወደግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶም በደላትን ግፍዕን ደድሕሪ እቲ በደለኛ ተኸታቲሎም ናብ ቅድሚ ሕጊ ዘቕርብ ሓላፍነት ይኹን ስልጣን የቡሎምን። ምኽንያቱ ኣብ ሃገርና ነፃነት ናይ ፍትሒ ኣካላት እንተዝህሉ ብትእዛዝ ሰበ ስልጣናት ኢህወደግ ኣስጋእቲ ንዝተብሃሉ ኑፉዓት ፖሎቲከኛታትን ፀሓፍትን ኢሉ'ውን ኑፁሃት ወገናት ካብ ዝኣተውዋ ተሃዲኖም ኣብ ትሕቲ መቑሕ እቲ ዓፋኒ ስርዓት ኣትዮም ብዘይ ወዓልዎ ገበን ክሕተቱን ናይ ፀረ ሰላምን መተሓባበሪ ግብረ ራዕድን ተባሂሎም ብዘይ ኣመንሉ ገበናት ክፍረዱ ኣይምክኣሉን ነይሮም።
   ብተመሳሳሊ ሰበ ስልጣናት ኢህወደግ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን  ከም ድልየቶም እናገሓጡ እቲ ብፀገማት ዝተቐርቀረ ህዝቢ ብግልፂ ኣብ መድረኽ ኣብ ዘቃልዖም እዋን ናብ ሕጊ ቀሪቦም ብዘጥፍእዎ ገበን መሰረት ብዘይ ንሕስያ ክድርበዩ ይግብኦም ነይሩ።
   እንተኾነ ግን ካብቲ ሚኒስተር ፍትሒ ኢሉ እውን ላዕለዋይ ጠቕላይ ፍርዲ ቤት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ጣብያ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ዝተዘርገሐ መዋቕራዊ ምምሕዳር ብናይ ኢህወደግ ኢ-ዴሞክራስያዊ ብዝኾነ ኣመራርሐኦም ዘሳልጡ ካድረታትን ዝተጠፍጠፉ ስለ ዝኾኑ፣ ክሳብ ሎሚ ነቲ ፃምእ ፍትሒ ዘሎዎ ህዝብና በቢ ግዚኡ ስሚዒቱን ሽግሩን ብዝግባእ ኣዳሚፁን ኣፃሩዩን ኣብ እዋኑ ብማዕርነት ዝዳንዮ ስርዓት ይኹን ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ኣይረኸበን ዘሎ።
   እንተ ሰበ ስልጣናት ኢህወደግ ግን በቢ ግዚኡ ብዘውፀኦም ሕግታት ይኹኑ ኣዋጃት ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከይረኸቡ ብናይ ፍትሒ ኣካላት ረቒቑ እናተብሃለ ኣብቲ ስማዊ ፓርላማ ቀሪቡ ፀዲቑ ክባሃል ንሰምዕን ንዕዘብ ኣለና። ነዚ ኣምባ ገነናዊ ናይ ኢህወደግ ኣገዛዝኣ ዘይተቐበሉን ልዕልና ሕጊ ንኽኽበር ብዘለዎም ሞያን ብዝተውሃቦም ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነት ብቕንዕና ተርጕሞም ንዝሰርሑን ንዝከራኸሩን ውሑዳት ደያኑ ይኹኑ ናይ ፍትሒ ኣካላት፣ ፍትሒ ኣዛቢዖም ብዝብል ዘይሙኹኑይ ጠቐነታት ካብ ዝነበሮም ስራሕ ክባረሩን ክእሰሩን ክኢሎም እዮም።
  ዋላ እኳ ብሰብ ሞያ ሕጊ ዝወፁ ሕግታት ኩሎም ቅኑዓት ኣይኮኑን እንተዘይተብሃለ ብሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ብዝጥዕሞም መንገዲ እናተርጎሙ ግን ብዘይ ተሓታትነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት እናውረዱ ይርከቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ብዝተፈላለየ ሽግራት በፂሑዎ ፍትሒ ደልዩ ናብ ፍትሒ ክህቡ ዝተቐመጡ ኣካላት ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዝተፈላለዩ ብላዕን ካልእን እናተሓተተ እቲ ወገን ይኹን ዓቕሚ ዘይብሉ  ከይፈተወ እናተራገመ ክምለስን ገደብ ብዘይብሉ መዓልቲ ቆፀሮ እናተውሃቦ፣ ካብ ስርሑ ክጉላእልእ ዶ ኣይኮነን ዝውዕል ዘሎ?።
  ስለዚ ነቲ ብስእነት ፍትሕን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ዘማሰንዎ ህዝቢ ኣብዚ ሰሙን ፣ቅንያት ፍትሒ ተባሂሉ ብሃገር ደረጃ ኣብ ሚድያታት ቀሪቦም እቲ ዝተለመደ ባህሊ ምድንጋር ኢህወደጋውያን ብህዝቢ እናሻዕ ከሽካዕልሉ ምርኣይ ኣይፋል ክንቡሎም ይግባእ።

No comments:

Post a Comment