በቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት፣ ምእንተ ህዝቢ ክብሉ ኣብ ምንቅስቓስ እናሃለዉ በቲ ስርዓት ተኣሲሮም ኣብ ፈቐዶ እሱር
ቤት ዝርከቡ ወገናት ብርክት ዝበሉ ከም ዝኾኑን፣ ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ ኣብ ኣርባ ምንጭን ሰሜን ጎንደርን ዝርከቡ ናይ ሓድነት
ፓርቲ ኣባላት ዝኾኑ ዜጋታት 5ተ ደቆምን ኣንስቶምን ብኢህወዴግ ዝበፅሖም ተፅዕኖ፣ ስራሕ ክሰርሑ ከም ዘይከኣሉን
ኣብ ሽግር ወዲቖም ከም ዝርከቡን ድሕሪ ምግላፅ መእሰሪኦም ድማ ወንጀል ፈጢሮም ዘይኮኑስ፣ እቲ ስርዓት ብዝፈጥሮ ዝተዛብዐ ምምሕዳራዊ
ሽግር ብምቅዋሞም ምኽንያት ብምዃኑ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ማእኸላዊ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ቂሊንጦስን ካልኦትን ኣብያተ ማእሰርቲ ኣትዮም
ንኸቢድ ማሕበራዊ መነባብሮ ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
እዞም ወገናት ምኽንያት መእሰሪኦም ንህዝብታት ሃገርና ክብሉ ነቲ ዝካየድ
ዘሎ ቃልሲ ብምድጋፍ ዋጋ ይኸፍሉ ከም ዘለዉን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናተሳቐዩ ዝርከቡ ንፁሃት ዜጋታት ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ
'ኳ እንተኾኑ፣ ካብኣቶም ድማ ተመስገን ደሳለኝ፤አንዳርጋቸው ፅጌ
፣አብርሃ ደስታ፣አስቴር ስዩም፣እንግዳው ዋኘዉ። በላቸው አወቀ
።ሉሉ መለሰ ካብቶም ቡዙሓት ዉሑዳት ኮይኖም፣ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ቤተሰቦምን ይበፅሕ ዘሎ በደል ድማ ናይ ኩሉ ህዝቢ
ኢትዮጵያ ምዃኑ ተረዲእና ነቲ ስርዓት ናይ ምእላይ ስራሕ ኣጠናኺርና ክንሰርሕ ይግባእ ክብል ህዝቢ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ
ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
No comments:
Post a Comment