Friday, May 6, 2016

ዘላቒ ውሕስና ዜጋታት ዘላቒ መፍትሒ እንትህሉ እዩ!!



     ናይ ሓንቲ ሃገር ዕብየት ይኹን ለውጢ ተግባራዊ ዝኸውን ውሕስና ናይ ዜጋታት ብምርግጋፅ ዘላቕነት ዘሎዎ ሰላምን ዴሞክራስን እንትሰፍን ምዃኑ ሕቶ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ብዘይ ውሕስናን ሰላምን ዴሞክራስን ዝኾነ ይኹን ንጥፈት ውፅኢታዊ ክኸውን ስለ ዘይኽእል ።
    ክንዲ ዝኾነ ዜጋታት ኣብ መስርሕ ዴሞክራስያዊ ለውጥን ምዕባለን ወሳኒ ተሳትፍኦም ዘረጋግፁ ድማ ብሃውሪ ዘይኮነስ ነቶም በብዕለቱ ዘሳቕዩዎም ማሕበራዊ ፖሎቲካዊ ቁጣባዊ ጉዳያት ሕገ-መንግስታዊ መሰሎም ብዝግባእ ተሓሊሎም ኩለንትናዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ዘላቒ ውሕስና ረኺቦም ንሓባራዊ ረብሐኦምን ተጠቃምነቶምን ጠጠው እንትብሉ እዩ።
   ነዚ ድማ ውሽጣዊ ሓድነቶም ብምርግጋፅ ኣብ ነፃ ሕልና ዝተመስረተ ቡዙሑነታዊ ተሳትፎኦምን ማዕርነቶምን ብዘተኣማምን ብምዕቃብ በቢ እዋኑ እናማዕበለ ዝኸደሉ ኣንፈት ብምኽታል ጥራሕ እዩ ዝረጋገፅ። እንተኾነ ግን ኩሎም መሰላትን ተባራዕቲ ሕቶታትን ህዝቢ ዓፊኑ ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ናብ ውሽጣዊ ቅርሕንትን ጎንፅን ማዓልታዊ እናረአየ ቡቑዕ ምላሽን ዘላቒ መፍትሒ ዘቕምጥ ስርዓት ወይ መንግስቲ እንተዘይ ሃሊዩ ድማ ክረጋገፅ እዩ ኢልካ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን።
  ስለ ዝኾነ ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ኣብ ኩሉ ከባብታት ናይ ሃገርና ንርብዒ ዘመን ዝኣኽል ዝፈጠርዎ ኣዕናዊ ፖሊስን ምምሕዳራዊ ግዕዚናን ኣብ ሞንጎ ቢሄር ቢሄረ ሰባትን ህዝብታትን እናተፈጠሩ ዝመፁን ዘሎውን ተኾሳሕቲ ሽግራት ክፈትሖም ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ ዜጋታትና ካብቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ጎረባብቲ መዕቖቢ ንኸይረኽቡ ብዝተፈላለዩ ተፈጥራዊ ፀጋታት ናይ ሃገርና እናተሸጡ ኣብ ናይ ግዚያዊ ጠላዕ መናውሒ ዕድመ ስልጣን መሰረት ዝገበሩ ናይ ድሕሪ መጋረጃ ውዕላት እናተፈፀሙ ኑፁሃት ወገናት ካብ ዝኣተውዋ እናተሃደኑ ኣሕሊፍካ ናብ መቑሕ ኢህወደግ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ሻጥራት ዝፍለጥ ኮይኑ በቲ ሓደ ፣በቲ ኻልእ ድማ ኣብ ሞንጎ መዋሰኒ ዶባት ናይ ሃገርና ኣብ በቢ እዋኑ ዝለዓሉ ቅርሕንትን ግጭትን መዕለቢ ከይረኸቡ ብቐፃሊ እናተልዓሉ ሂወት ዜጋታት ክሓልፉን ክተፋነኑን ምግባር ቀንዲ ውራይ እቲ ስርዓት ኮይኑ ፀኒሑን ኣሎን። 
    ከም ውፅኢቱ እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጋምቤላ ዝበፅሕ ዘሎ ተደጋጋሚ መቐዘፍቲ ናይዚ ግዳይ ኮይኑ ብተመሳሳሊ ኣብ ሞንጎ ሰሜን ሱዳን ኢትዩጵያን መዕለቢ ዘይተገበሮ ወጠጥ ፣ቀፃሊ ኣብ ልዕሊ ወገናትና ብወታደራት ሱዳን ኣብ ሂወትን ንብረትን ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ እናውረዱሉ ከም ዝመፁን ዘሎውን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
  በዚ መሰረት ህዝብታት ሃገርና ኣብ ሃገሮም ዝተረጋገአ ሰለም፣ፍትሒ፣ነፃነት፣ ስራሕ፣ ዴሞክራስን ውሑስ ሂወትን ስኢኖም ናብ ፈቖድኦ ሃገራት እናወፁ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ክቡሉ ተገዲዶም እዮም ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝኸድዎ ክሃጥሙን ዝተፈላለዩ መግረፍቲ፣ ስቓይን ሞትን እናበፀሖም መፂኡን ኣሎን ።ሎሚ እውን ልዕሊ 70 ዝኾኑ ኢትዩጵያውያን ወገናት ካብ ታንዛንያ ናብ ኬንያ ብዘይ ሕጋውዊ መንገዲ ዝኣትው ተባሂሎም ኣብ ዘይሃገሮም ክብተኑን ክድርበዩን ከለዉ ደሃዮም ብወገን እቲ መንግስቲ ተሓቲቱ ዝፈልጦ ጉዳይ የለን ክብል ከሎ መንግስቲ ኣሎ ካብ ምባል የለን ኢልካ ንምግላፅ እንታይ ዘማትእ ኣሎዎ።
  ስለዚ ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ኮይንካ  መሰል  ዜጋታት ክሕሎን ኣብ ዝተሰደቱ ወገናት ዝብፅሖ ዘሎ ስቓይን ህልቂትን ከምኡ እውን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝፍጥሩ ቅርሕንትታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሖ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምድሓን ውሕስና ዘሎዎ ዘላቒ መፍትሒ ንጎኒ ገዲፍካ ኣብ ግዝያዊ ጥበራን ደቀቕቲ ነዃላት ምዕባስ ፍታሕ ክኸውን ኣይኽእልን።
   ምኽንያቱ ዕድመ ኢህወደግ ዝናዋሕ ህዝብታት ሓድነትን ስኒትን ፈጢሮም ንናይ ሓባር ዕብየትን ሰናይ ጉርብትናን ምዕባለን ጠጠው ንኽብሉ ዝገብርን ዘተባብዕን ዘይኮነስ ብኣንፃሩ ነኒ ባዕሎም ክተፋነኑን ሓድነቶም ተበታቲኹ ዜጋታትና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ስኒት ስኢኖም መዕቖቢ ባይታ ንኽስእኑ ዝዓለመ ስለ ዝኾነ።

No comments:

Post a Comment