Monday, May 16, 2016

ኣብዚ ሰሙን እዚ ወታሃደራት ኢህወዴግ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴ.ም.ህ.ት ተፀምቢሮም።



ካብኣቶም ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፣-
1. ወታሃደር ጥጋቡ ሞላ ፣ብሄር ደቡብ ኮይኑ ካብ ማእኸላይ እዚ 22 ክፍለ ሰራዊት ቀዳማይ ረጅመንት ሻንበል ሓደ ጋንታ ክልተ መስርዕ ኣርባዕተ ዝነበረ፣
2. ወታሃደር ሙሉ ጌታ ሱዩም ፣ ብሄር ኣምሓራ  ፣ካብ 22 ክፍለ ሰራዊት ራብዓይ ረጅመንት ሻንበል ኣርባዕተ ጋንታ ሰለስተ መስርዕ ኣርባዕተ ዝነበረ፣
3. ወታሃደር መለስ ባንቲ ፣ብሄር ኣምሓራ፣ ካብ ሰሜን እዚ መበል 20 ክፍለ ሰራዊት ሳልሳይ ረጅመንት ሻንበል ሓደ ዝነበረ ፣
4. ወታሃደር ወለገብሪአል ገብረሚካኤል ፣ ብሄር ትግራይ ዝዓዱ ካብ ሰሜን እዚ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት ሳልሳይ ረጅመንት ዝነበረ፣
5. ሓለቓ ሓምሳ ኣደም መሓመድ  ፣ብሄር ኣምሓራ ካብ ሰሜን እዚ መበል 13 ክፍለ ሰራዊት ዝነበረ፣
6. ወታሃደር ኤቢሳ ኣብደሰላም፣ ብሄር ዓፋር ፣ካብ 25 ክፍለ ሰራዊት ሳልሳይ ረጅመንት ቀዳማይ ሓይሊ ዝነበረ፣
7. ወታሃደር ኣስማማው ኣፃሴ፣ ብሄር ደቡብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ ሚለ ጣብያ ከንቲባ ዝዓዱ ፣
8. ወታሃደር ኣወል ሙሁዲን፣ ብሄር ኣምሓራ ካብ 25 ክፍለ ሰራዊት ሻድሻይ ረጅመንት ቀዳማይ ሓይሊ ዝነበረ፣
9. ወታሃደር ተመስገን ኣግደው፣ ብሄር ቤንሻንጉል ጉሙዝ ካብ ሰሜን እዚ መበል 11 ክፈለ ሰራዊት ራብዓይ ረጅመንት ሳልሳይ ሓይሊ ቀዳማይ ጋንታ ራብዓይ መስርዕ ዝነበረ ፣
10. ወታሃደር ኢሳያስ ኣለሊ፣ ብሄር ኣምሓራ፣ ካብ ማእኸላይ እዚ መበል 22 ክፈለ ሰራዊት ራብዓይ ረጅመንት ኣባል ከቢድ ብረት ዝነበረ፣
11. ወታሃደር ክፍሎም ገብረመስቀል፣ ብሄር ትግራይ ካብ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት ራብዓይ ረጅመንት ሳልሳይ ሓይሊ ቀዳማይ ጋንታ ሳልሳይ መስርዕ ዝነበረ፣
12. ወታሃደር ኣበበ የሽብር ፣ ብሄር ኣምሓራ፣ ካብ ማእኸላይ እዚ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ራብዓይ ረጅመንት ስለያ ዝነበረ፣
13. ወታሃደር ግርማይ ገብረስላሴ፣ ብሄር ትግራይ ፣ካብ ማእኸላይ እዚ መበል 31 ክፈለ ሰራዊት ራብዓይ ረጅመንት ካልኣይ ሓይሊ ቀዳማይ ጋንታ ራብዓይ መስርዕ ዝነበረ፣
14. ወታሃደር በሽር የሴፍ፣ ብሄር ሶማል ኮይኑ ካብ ማእኸላይ እዚ መበል 22 ክፈለ ሰራዊት ሓምሻይ ረጅመንት ካልኣይ ሓይሊ ካላኣይ ጋንታ ዝርከቡዎም እንትኾኑ፣ንሶም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንኽስለፉ ምኽንያታት ካብ ዝኾኑዎም ብሓባር ካብ ዝሃቡዎ ሓሳብ፣ "ንሕና ወታደራት ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ኮይና መናውሒ ዕድመ ካብ ንኸውን ነቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕድሕዳዊ ግጭትን ቀውስን ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ከይበፀሐ ብረት ዓጢቕና ህዝብን ሃገርን ክነድሕን እጅምና ክነውፊ ተሰሊፋ እንትብሉ፣
ኣደም መሓመድን በሽር የሴፍን ብሓባር ካብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ድማ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ኣብ ሃገርና ወታሃደር ኮይንካ ክትነብር ኣዝዩ ኣፀጋሚ እዩ ምስበሉ ቀፂሎም እቲ ሰራዊት ንዓቃቢ ሰላም ዝለኣኽን ዝወሃቦ መዓርን ካልእን ሩኡይ ኣፋላላያት ስለ ዝግበር ሓድነቱ ዝተበታተኸን ብሓፈሻ እምነትን ወነን ሓዲሩዎ ኣብ ሰራዊት ክፀንሕ ዝደሊ የለን ብፍላይ ምስቲ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ኣብ መላእ ከባብታት ናይ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ነውፅታት ዝተልዓለ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት
ሓያል ሕቶን ነኒ ሕድሕዱ ኣብ ዘይተኣኣማመነሉ ኩነታት ብምብፅሑ በቢ ግዚኡ ነናብ ዝሕሾ ካብቲ ምክልኻል ጠንጢኑዎ ይወፅእ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።




No comments:

Post a Comment