Saturday, May 14, 2016

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ልዑል ተቐባልነት ዘለዋ ናይ ቀለም ቀንድ ጋዜጣ ዋና ኣዳላዊ ዝኾነ ጋዜጠኛ፣ ካብ ሃገሩ ወፂኡ ከም ዝተሰደደ ተፈሊጡ።



ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጢ ቀረባ ግዜ ብህዝቢ ፅቡቕ ተቐባልነት እናረኸበት ዝመፀት የቀለም ቀንድ ዝተብሃለት ጋዜጣ ዋና ኣዳላዊኣ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ፣ ሙሉቀን ተስፋው ሃገሩ ገዲፉ ብ8 ግንቦት 2008 ዓ/ም  ከም ዝተሰደደ ዝገለፀ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ጋዜጠኛ ሙሉቀን ተስፋው ኣብ'ዚ ሕዚ ሰዓት ናብ ኣዉሮፓ ኣትዩ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ክፍለጥ ተኻኢሉ።    
ጋዜጠኛ ሙሉቀን ተስፋው ብፍላይ ኣብ ኦሮምያ ኣብ ዝተኸስተ ቁጥዐ ህዝብን ኣብ ጎንደርን ኣብ ወልቃይትን ንዝተልዓሉ ናዕብታት ህዝቢ ናብቲ ቦታታት ብኣካል ብምኻድ፣ ንህዝቢ ኣድለይቲ ዝብሃሉ ፉልይ ዝበሉ ፀብፃባት የቕርብ ዝነበረ ኮይኑ፣ ንስደት ከምርሕ ደራኺ ዝኾኖ ምኽንያት ድማ ብሓይልታት ኢህወዴግ ይበፅሖ ብዝነበረ ተፅዕኖን ምፍርራሕን ተገዲዱ ከም ዝወፀ ተፈሊጡ ። ጋዜጠኛ ሙሉቀን ካብ ሃገሩ ቅድሚ ምዉፅኡ ንራድዮ ህብር ብሰንኪ እቲ ስርዓት ይበፅሕ ዝነበረ ፀገማት ገሊፁ ምንባሩ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።   

No comments:

Post a Comment