እቲ ሓበሬታ ከም
ዘርድኦ ፣ዝተውሃበኩም ሃገራዊ ሓደራ ንጎኒ ገዲፍኩም ንተቓወምቲ ውድባት ሰራዊት ምክልኻል ዝርከበሉ ናቑጣን ኣድራሻን ሓበሬታ
ተመሓላልፉ ኢኹም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ወታደራት ብናይ ግብረ ራዕዲ ወንጀል ክሲ ከም ዝተመስረቶም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
ናይ ፌደራል ዓቃቢ
ሓጊ ንናይ ፌደራል ላዕለዋይ ፍርድቤት መበል 14 ናይ ወንጀል ችሎት እቶም ተኸሰስቲ ወታደራት ብርክት ዝበሉ እኳ እንተኾኑ ከም
ኣብነት ንምውሳድ ዝኣክል ሓለቓ ዓሰርተ ኣጃናው ታደሰን ምኽትል ሓለቓ ዓሰርተ ቻሌ ነጋ ብዝቐረበሎም ክሲ ከም ዘርድኦ ብወሰና
ወሰን ኢትዮ-ኤርትራ ምስ ዕጥቂ ዘልዓሉ ውድባት ሓበሬታ ናይ መከላኸሊ ሰራዊት ሻድሻይን መበል 25 ክፍለ ሰራዊታት ንዝርኩቡ
ሬጅመንትታት ብዝሕን ኣበይ ከም ዝርከቡ ኣሕሊፍኩም ትህቡ ኢኹም ብዝብል ብኸቢድ ወንጀል ተኸሲሶም ንዝቐረቦሎም ሕቶ ድሕሪ
ምንፃግ ጠበቓ ንኸቕርቡ ድማ ን15 ጉንበት 2008 ዓ/ም ከም ዝተቖፀሩ ኣገንዚቡ።
ኣብ መዎዳእታ ፣
ኣብዚ ሕዚ ግዜ ኣብቲ ውሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ሓያል ዘይ ምትእምማን ምጥርጣርን ፈጢሩ ብምህላው፣ በቢ ማዓልቱ ወታሃደራት ነናብ
ዝሕሾም ራሕሪሖሞ ይወፁ ከም ዘሎው ተፈሊጡ።
No comments:
Post a Comment