ዓፋኒ ስርዓት ኢህወዴግ ብሽፋን ፀረ ሽበራ ኢሉ ዘዉኦ ሕጊ ንተኸላኸልቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ገለልተኛ ዝኾኑ ናይ ሚድያ ትካላት፣
ሰላማዊ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ተሳተፍትን ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካ ኣመራርሓን ኣባላትን የካይዶ ንዘሎ ናይ ዓፈና ተግባራት ደዉ
ንኸብሎ ሕቶኡ ከም ዘቕረበ ተፈሊጡ።
እዚ መገልፂ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኦሮሚያ
ንዝተላዕለ ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ተኣሳሲሩዝወሰዶ ኣሰቃቒ ስጉምቲ ብምዉጋዝ፣ ናይ ኦሮሞ ፌዴራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ)ኣመራርሓ ዝኾኑ ኣቶ በቀለ ፈርባ፣ ደጀኔ
ቱፋ፣ አቶ ጉርሜሳ አያናን ብፀረ ሽብር ሕጊ ከም ዝተኸሰሱ ብምምልካት፣ ብተወሳኺ ድማ ናይ ነገረ ኢትዮጵያ ኦንላይን ጋዜጣ ዋና
ኣዳላዊ አቶ ጌታቸው ሽፈራው፣ናይ ሰማያዊ ፓርቲ ሓላፊ ርክብ
ህዝቢ አቶ ዮናታን ተስፋይ፣ ናይ ኦሮሚያ ሬዲዮን ቴሌቪዥንን ጋዜጠኛ አቶ ፍቃዱ ሚርካናን ካልኦት ወገናትን ብኣዋጅ ሕጊ ፀረ
ሽበራ ምኽንያት ስም ናይ ምፅላም ተግባር እዩ ክብል እቲ ፀብፃብ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment