Tuesday, June 7, 2016

ኣብ ወጥሪ ዘሎ ናይ ሃራማያ ዩኒቨርስቲ ናብ ትምህርቶም ዘይተመለሱ ናይ ኢንጅነሪንግ ተማሃሮ፣ ካብዚ ግቢ ይዉፁ ክብል ከም ዝወሰነ ተገሊፁ።




ኣብ ሃራማያ ዩኒቨርስቲ ዝማሃሩ ናይ ቀዳማይ ዓመት ናይ ኢንጅነሪንግ ተማሃሮ(ስቴንሽን ካምፓስ) መጠንቀቕታ ከም ዘማሓላለፈ ዝገለፀ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ድማ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ተማሃሮ ትምህርቶም ደዉ ኣቢሎም ከም ዝፀንሑ ብምዝኽኻር፣ናብ ትምህርትኹም ተመለሱ ኢልና ሓቲትና ኣይንምለስን ኢሎምኒ እዮም ብምባል፣ እቶም ተማሃሮ ካብቲ ግቢ ንክወፁ ከም ዝወሰነ ተገሊፁ።
ዩኒቨርስቲ ሃራማያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ህፁፅ ኣኼባ ዘካየደ ኮይኑ፣ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ሴኔት ካብ ትምህርትኹም ንሓደ ሰሙን  ኣቋሪፅኩም ዝፀናሕኹም፣ ካብዚ ግቢ ናይዚ ዩኒቨርስቲ ወፂኹም ኪዱ ብዝብል ዉሳነ ከም ዘምሓላለፈ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።  
ይኹን እምበር ናይቲ ዩኒቨርስቲ ደንብን ናይ ሴኔት ዉሳነ ብዘይ ምኽባር ዝተዉሃበኩም ዕድል ክትጥቀምሉ ስለ ዘይክኣልኩም በዚ ምኽንያት ድማ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ሴኔት ብዘምሓላለፎ ዉሳነ መሰረት፣ ካብዛ ስዓት እዚኣ ጀሚርኩም መስታወቅያኹም ናይ መመገቢ ካርድኹምን ዝኾነ ይኹን ዘለኩም ናይዚ ዩኒቨርስቲ ንብረት ኣረኪብኩም ዉፁ ዝብል ምልክታ ኣብቲ ዩኒፈርስቲ ከም ዝተለጠፈ ተሓቢሩ። 

No comments:

Post a Comment