ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኮንደምኔም
ክውዕሉ ተባሂሎም እናተሰርሑ ዝርከቡ ኣባይቲ ብምኽንያት ኣብታ ከተማ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ፋይናንስን ናይ ኤሌትሪክ ምቁርራፅን ምኽንያት
ስዒቡ ኣብቲ ዝተትሓዘሎም ናይ ግዜ ገደብ ክጠናቐቑ ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 3 ቦታታት ዘሎ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ምህናፅ ፕሮግራም 961 ሽሕ ገዛውቲ
ዝደልዩ ወገናት ዝተመዝገቡ ኮይኖም፣ነዞም ኣባይቲ ንምስራሕ ድማ 360 ቢልዮን ብር ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ይኹን 'በር ክሳብ ሕዚ
41 ቢልዮን ብር ጥራሕ ክወፅእ ከምዝኻኣለ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብቲ
ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኮንትራክተራትን ሰራሕተኛታትን ይብተኑ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ መዎዳእታ ሰበ-ስልጣን ኢህወደግ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ሙዕሩይ መሰረተ
ልምዓት ዝተማልአላ ኣምሲሎም ዝገልፁ እኳ እንተኾኑ እንተኾኑ ግን ክሳብ ሕዚ ትሕዝ ስድድ ካብ ምባል ሓሊፉ ኣብ ባይታ ዝረአ መሰረተ
ልምዓት ከምዘይብላን ነበርታ ድማ እናማረሩ ከምዝርከቡን ተፈሊጡ።
No comments:
Post a Comment