ብመሰረት
እቲ ዝተረኸበ ሓበረታ፣ሰበ-በስልጣን ኢህወደግ ብሙሌናት ዝቑፀር ገንዘብ ወፃኢ ብምግባር ብዘይደገፍ ህዝቢ ንበዓል 20 ግንቦት
ኣብ ዘኽብርሉ ዝነበሩ እዋን ብነባሪ ህዝቢ ድሬዳዋ ኣብቲ ዕለት ንግዕዙይ ኣካይዳ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ብምቅዋም ብጭርሖታት
ዝተሰነየ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ተገሊፁ።
ኣብቲ
ሰልፊ ካብ ዘስምዕዎም ዝነበሩ ጭርሖታት ድማ፣ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ፣ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝቕፅል ዘሎ ገዛኢ
ስርዓት ኢህወደግ ይውረድ! ዝብሉን ካልኦትን ካብ ዘጋውሕዎም ዝነበሩ ኮይኖም ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ኣግኣዚ ዝተብሃለ
ፍሉይ ሓይሊ ናብቲ ቦታ ብምልኣኽ ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ደቂ-ኣነስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝርከቡዎም ብበትሪ ተቐጥቂም ከቢድ
ማህሰይቲ ከም ዝበፀሖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ
መዎዳእታ ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽበ በቀለ ገርባ ዝተብሃለ ወገን ድማ እናቖሰልናን እናሞትናን ህዝቢ ዓለም ኣበይ ኣሎ! ኣብ ሃገርና
ብሰላም ክንነብር ኣይካኣልናን! እናሞትና እውን እንተኾነ ካብ ምቅዋም ንድሕሪት ኣይንብልን! እናበለ የቃልሕ ከም ዝነበረ
እንትገልፅ፣ ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ምብራቅ ሃረርጌ ዝርከብ
ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ወጥሪ ነጊሱ ብምህላው ብናይ ኣግኣዚ ሰራዊት ተኸቢቡ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
No comments:
Post a Comment