እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንዝስራሕ ዘሎ
ግድብ ኣባይ ማይ ክዓርፎ ብዝብል ምኽንያት ነበርቲ እቲ ካባቢ ናብ ካልእ ቦታ ክዓርፉ እኳ እንተተገበረ ክወሃበኩም ዝተባሃልዎ ካሕሳ
ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ምኽንያት ናብ ዝነበርዎ ቦታ ባዕልቶም ተመሊሶም ይዓርፉ ከም ዘሎው እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ጉዳይ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብዕለት 25 ግንቦት
2008 ዓ/ም ስለምንታይ ክሳብ ሕዚ ክወህሃበኩም እዩ ዝተባህሎም ካሕሳ ክወሃቡ ዘይተገበረ ብዝብል ተላዒሉ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ፣
ነዚ ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ሚኒስተር ዴታ ኣይተ ካይድኪ ገዘሀኝ ክወሃቦም ዝተብሃለ ካሕሳ ከም ዝዘንገዐ እንትገልፁ ኣብዚ ቀረባ እዋናት
እዚ ጉዳይ ብቦርድ ተገምጊሙ ብናይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዩጵያ እቲ ካሕሳ ክፍፀም እዩ ዝብል መልሲ እኳ እንተሃቡ እንተኾነ ግን
ቅልጡፉን ተመጣጣን ዝኾነ ካሕሳ ከም ዘይህቡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ከም ዘሎው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment