ዝሕል ኢሉ ዝነበረ
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮሚያ ይካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ቁጥዐ፣ ኣብዚ ሰሙን ድማ ተቐፃፂሉ ዝቐፀለ እንትኸዉን፣ ኣብ ምብራቕ
ሃረርጌ ከተማ ቆቦ ህዝቢ ተቓዉምኡ ንምስማዕ ናብ ኣደባባይ ከም ዝወፀ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ቆቦ ዝተገብረ
ተቓዉሞ ህዝቢ ንምሕደራ ኦህዴድ/ኢህወዴግ ብትሪ ዝተቓወመ እንትኸዉን፣ ኣብ’ቲ ተቓዉሞ ብብዝሒ ዝተሳተፈ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ፣
መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ምንባሮም ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ምስ ማስተር
ፕላን ኣዲስ ኣበባ ተተሓሒዙ ዝተላዕለ ተቓውሞ መላእ ህዝቢ ኦሮሞ ዝዘሓለ ዝመስል እኳ እንተነበረ፣ እንደገና ከም ሓዱሽ ይባራዕ
ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ናይዚ መቐፀልታ ኣብ ቆቦ ዝተኻየደ ተቓውሞ ፌደራል ፖሊስ ናብ ሰላማዊ ህዝቢ ነቲ ሰልፊ ደው ንምባል
ጥይት ካብ ምትኳስ ክሳብ ምቕታል ዝበፅሕ ስጉምቲ ንክወስዱ ትእዛዝ ከም ዝተምሓላለፈ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ ኣብ
ምብራቕ ሃረርጌ ዝተኻየደ ተቓዉሞ ህዝቢ ፌደራል ፖሊስ ስጉምቲ ዝወሰዱ እንትኾኑ፣ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ከም ዝተጎድአ ካብቲ
ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
No comments:
Post a Comment