Monday, June 13, 2016

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጅማ ወረዳ ዴዶ ሞሌ ኣብ ዝተብሃለ ጣብያ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ዘነፃፀረ ተቓውሞ ህዝቢ ከም ዝተወለዐ ተገሊፁ።



ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ፣ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ጅማ ወረዳ ዶዴ ሞሌ ኣብ ዝተብሃለ ጣብያ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ዘነፃፀረ ሓያል ተቓውሞ ብህዝቢ ከም ዝተወለዐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ወሲኹ ድማ ህዝቢ ኣብቲ ተቓውሞ ናይ መሰል ሕቶ ብምልዓል ቁጥዕኡ ንምግላፅ ካብ ዘስሞዖም ዝነበረ ጭርሖታት ድማ፣
ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሽግር ኣለና፤ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ኣብ ፆም ሮሞዳን ክካየድ የብሉን፤መንግስቲ ነዚ ናይ ፈተና ግዜ ብህፁፅ ክቕይሮ ነፍልጥ፣ እንተዘይይተቐይሩ ድማ ተቓውሞና ቀፃሊ እዩ፣ ከምኡ ዉን መሰልና ክኽበር ንፅውዕ፣ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ጣልቃ ምእታው የቋረፅ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ሒዙ ተቓውምኡ የስምዕ ከም ዝነበረ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።



No comments:

Post a Comment