Monday, June 13, 2016

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሕጂ እዋን ፅሬቱ ዘይሓለወ ረሳሕ ማይ ይሰትዩ ብምህላዎም ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃልዑ ከም ዘለው ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን መብራህትን ፅሩይ ዝስተ ማይን ኣብታ ከተማ ብዘይምህላው ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ረሳሕ ማይ እናሰተየ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃላዕ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብታ ከተማ ብመሰረቱ ሕፅረት ማይን መብራህትን ዘጋጠመ ኮይኑ፣ ህዝቢ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ይሰቲ ብምህላዉ ብርክት ዝበሉ ወገናትና ብሕማም ውፅኣት ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታላት ይሕከሙ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፣ ሚኒስተር ጥዕና ናይቲ ስርዓት ግን ብዘይካ ክልተ ሕሙማት ካልእ ዝሓመመ ሰብ የለን ክብል ነቲ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ሽግር ናይ ህዝቢ ክኽሕዶ ከም ዝኸኣለ ተገሊፁ።
ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ኣፍሊሑ ከይጥቀም እውን ናይ ኤሌክትሪክ ሕፅረት ኣጋጢሙ ብምህላው እቲ ሕዚ ዝኽሰት ዘሎ ሕማም ውፅኣት እናገደደ ብምኻዱ ኣዝዩ ኣሻቒልዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።   

No comments:

Post a Comment