Thursday, June 9, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ንመግቢ ዝኸውን ባኒ ብፌርማ ይሽየጥ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ፣ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ንሓደ ስድራ ሓሙሽተ ባኒ ብፊርማ ንኽገዝእ ይግበር ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ቆልዑ ይኹን ትሕቲ ሓሙሽተ ቆልዑ ዘሎዎ ስድራ በቲ ትእዛዝ መሰረት ካብ ሓሙሽስተ ባኒ ወፃኢ ክገዝእ ከም ዘይኽእል ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ኣምሓራ እተን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ፍብሪካ ሑሩጭ ነቶም ባኒ እናሸጡ ዝመሓደሩ ነጋዶ ብዝተማእኸለ መንገዲ ከከፋፍሎም እየ ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ድሕሪ ምውዓሉ ብጥቕሚ ዝተኣሳሰርዎ ነጋዶ ብመንገዲ ፀሊም ዕዳጋ ንሕድሕድ ኩንታል ብሒሳብ 800 ብር ክሸጠሎም ብምግባር፣

ነቶም ካብቲ ተግባራት ግዕዚና ወፃኢ ዝኾኑ ነጋዶ ድማ እቶም ብመንገዲ ፀሊም ዕዳጋ ዝዓደጉዎ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ድማ ንሕድሕድ ኩንታል ካብ 1200 ብር ክሳብ 1400 ብር ይሸጥዎ ብምህላዎም ነቲ ድራር ዕለት ዘይብሉ ድኻ ህዝቢ ካብቶም ባኒ እናሸጡ ዝናበሩ ነጋዶ በዝሒ ዕያሉ ብዘየገድስ ካብ ሓሙሽተ ባኒ ንላዕሊ ንኸይገዝእ ነቶም ሰብ ባኒ ትእዛዝ ከም ዝወረዶምን ስሩዕ መዝገብ ዘሎዎ ፊርማ እናገበሩ ይሸጥሎም ከም ዘሎው ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment