Wednesday, June 1, 2016

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዉልቅጤ ብዝተላዕለ ናይ ሓዊ ቃፀሎ ሓደጋ፣ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ከቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ እንተጋጥሞም፣ ሓደ ናይ ተምሃሮ ህንፃ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዓነወ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዉልቅጤ ብዝተልዓለ ናይ ሓዊ ቃፀሎ ሓደጋ ሓደ ናይ ተማሃሮ መደቀሲ ህንፃ ሙሉእ ብሙሉእ እንትዓኑ፣ ኣብቲ ህንፃ ዝነበሩ ተማሃሮ ኣብቲ ናይ ቃፀሎ እዋን ካብቲ ሓደጋ ከምልጡ ክብሉ፣ ምስቲ ናይቲ ህንፃ ግድግዳ ብምግጫዉ ንግዚኡ ቁፅሮም ዘይተፈለጡ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ፣ ከቢድን ቀሊልን ናይ ኣካል መጉዳእቲ ከም ዝበፅሖም ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብዚ ሕዚ ወቕቲ ናይቲ ሓደጋ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ተማሃሮ ኣብ'ቲ ካባቢ ዝርከብ ኣጣጥ ኣብ ዝተብሃለ ሆስፒታል፣ ደቂሶም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።        

እቲ ናይ ሓዊ ምቅፃል ሓደጋ ለይቲ ስዓት 10 ከም ዝተልዓለን እቲ ሓደጋ ድሕሪ ነዊሕ ስዓታት ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለ እኳ እንተኾነ፣ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓውን ናይ ድንገተኛ ሓደጋታትን ምክልኻልን መቆፃፀሪ ኤጀንሲ ቀልጢፉ ብዘይ ምብፅሑ፣ እቲ ሓደጋ ነቲ ህንፃ ብምዕናዉ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ናይ ኣካል ጉድኣት ከም ዘብፅሐ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ ናይ ምቅፃል ሓደጋ መበገሲኡ እንታይ ከም ዝኾነ ብግልፂ ዋላ'ኳ እንተዘይተፈለጠ፣ ናይቲ ስርዓት ካድረታት ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ተቓዉሞ ዘልዕሉ ተማሃሮ ብናይ ሽበራ ወንጀል ንምዉንጃል ክብሉ ዝፈፀምዎ ተግባር ከይኮነ ከም ዘይተርፍ፣ ብርክት ዝበሉ ወገናት ጥርጣሪኦም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ፣ ንምፍላጥ ተካኢሉ።







No comments:

Post a Comment