Thursday, June 9, 2016

ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ዝርከቡ ኣመሓደርትን ርእሰ መምህራን ንስራሕ መካየዲ ተባሂሉ ዝተኣከበ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ውልቀ ጣጠኦም ከም ዘጠፋፍእዎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ዝርከቡ ኣመሓደርትን ርእሰ መምህራን ንኣብያተ ትምህርቲ መካየዲ ስራሕ ተባሂሉ ካብ ሕድ ሕድ ተማሃሮን ካብ ካልኦት ኣታዊታት ዝተረኸበ 6 ሚልዮን ብር ብናይቲ ከብቢ ምምሕዳራትን ርእሰ መምህራንን ተሻርኾም ኣብ ውልቃዊ ጥቕሞም ከም ዘውዐልዎ ተፈሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርደኦ ነበሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ገንዘብ ህዝቢ ዘባኽኑ ኣካላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ኣሎዎ ብዝብል የቕርብ እኳ እንተሎ ፣እንተኾነ ግን ክሳብ ሕዚ ዝሰምዖ ኣካል ክረክብ ብዘይ ምኻኣሉ መረረት ህዝቢ  ኣብ ጥርዚ በፂሑ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።


No comments:

Post a Comment