Monday, June 13, 2016

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝርከብ ቤት ህንፀት ኣብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ተወለድቲ ኣኝዋክ፣ ቀቲልኩም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝተኸሰሱ ተፈሊጡ።



ልዕሊ 100 ምስ ዝኾኑ ክርከቡ ዘይክኣሎ ብሓባር ብምዃን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2008 ዓ/ም ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝርከብ ቤት ህንፀት ብፖሊስነት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩን ተኣረምትን ኣብ'ቲ ቤት ህንፀት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ተወለድቲ ኣኝዋክ፣ ኣሰቃቒ ብዝኾነ መንገዲ ብደብዳብን ብምሕራድን ብጥይትን ተቐቲሎም ከም ዝነበሩ ዝገለፀ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ በዚ ዝተኸሰሱ 45 ሰባት ብጥርጠራ ከም ዝተኣሰሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።   
ናይ ፌዴራል ዓቃቢ ሕጊ  ክሲ ዝመስረተሎም 45 ተወለድቲ ኑዌር እንትኾኑ፣ ኣብቲ ቤት ህንፀት ዝተመደቡ ናይ ብሄረ ኣኝዋክ ተወለድቲ ዝኾኑ ፖላዊስ ዕጥቆም ክፈትሑ ዝተገረ እንትኸዉን፣ ድሕሪ እዚ ድማ ኣብቲ ውሽጢ ቤት ህንፀት ንዝርከቡ ተወለድቲ ኑዌር ብበትርን  ብእምኒን በላሕቲ ነገራትን ብምቕባል ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣኝዋክ ከቢድ ግፍዒ ብምፍፃም፣ ተሳተፍቲ ኔሮም ዝተብሃሉ ሰባት ከም ዝተትሓዙ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።    
ናይ ፌዴራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ምድብ 3ይ ወንጀል ችሎት ብዓቃቢ ሕጊ ዝቐረበ ክሲ ከም ዝረድኦ፣ እቶም ተኸሰስቲ ናይ ወንጀል ተግባር ዝፈፀሙ ኣብ ልዕሊ ተኣረምቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብቲ ክልል ጅሀር ካብ ዝተብሃለ ወረዳ  ናብ ከተማ ጋምቤላ እናተመለሱ እናሃለዉ፣ ናይ ትራንስፖርት ቢሮ ምክትል ሓላፊ ኣቶ ጋዴድ ጎኝ ካብ መኪንኦም ብምዉራድ ኣሰቃቒ ብዝኾነ ኩነታት ዉን ቀቲሎሞም እዮም ብምባል እቲ ክሲ ዘመላኸተ ኮይኑ፣ እንተኾነ ግን ዝኾነ መረጋገፂ ከም ዘይተረኽበ ተሓቢሩ። 



No comments:

Post a Comment