እቲ
ሓበሬታ ከም ዘርዶኦ፣ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ከተማ ማይ ካድራ ዝርከቡ ነበርቲ ብሕፅረት ቆፃሪት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ትራንስፎርመርን
ካብ ንፅገም ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ ድሕሪ ምባል፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ ግዜ በዝሒ ነብሪ ህዝቢ ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ወሲኹ ስለ
ዘሎ እቲ ሽገር ናብ ዝለዓለ ጥርዚ በፂሑ ይብሉ ሽሞም ክግለፅ ዘይደልዩ ገለ ነበርቲ ከተማ ማይ ካድራ።
ነበርቲ
ከተማ ማይ ካድራ ቅድም ኢሉ ሓንቲ ቆፃሪት ንምዕዳግ ካብ 1500 ብር ክሳብ 2000 ብር ዝነበረ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ ግን ክሳብ
10ሽሕ ብር በፂሑ ኣሎ እንትብሉ፣ ወሲኾም እንትገልፁ ድማ ቆፃሪት ንምርካብ ብላዕ እንተዘይሂብካ ብፍትሓዊ ክትረክብ ዘይሕሰብ እዩ
ነዚ ድማ ብቐረባ ጠርዒና ዝሰምዐና ኣካል ስኢና ብምባል ይገልፁ ኣሎው።
ኣብ
መወዳእታ ከተማ ማይ ካድራ ወኒናቶም ዘላ ገዛውቲ መብዛሕቲኦም ብቖርቆሮን
ግድግዳን ዝተሰርሑ ስለ ዝኾኑ ምስቲ ሕፅረት ቆፃርን ትራንስፎርመራትን ዘይመጣጠን ልዕሊ ዓቐን ተጠጠቃሚ ህዝቢ ተፃዒኑዎ ስለ ዘሎ
ባርዕ ከየስዕብ ኣብ ስጋግት ከም ዝርከቡ ወሲኾም ኣገንዚቦም።
No comments:
Post a Comment