Thursday, June 16, 2016

ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ ኣላማጣ ዝርከቡ ገባራት ብድርቂ ንዝተጠቑዑ ወገናት ዝመፀ ናይ ሓገዝ እኽሊ ኣማሓደርቲ ጣብያ ንመዕደጊ መደባርያ ብግዴታ እናሸጡ የኽፍልዎም ከም ዘሎው ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ ኣላማጣ ጣብያ ሃይርሌ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ጣብያ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝመፀ እኽሊ፣ ንመዕደጊ መዳበርያ ክፈሉ እናበሉ የገድድዎም ከም ዘለው ነበርቲ ጣብያ ሃይርሌ ንድምፂ ሬድዮ ኣሜሪካ ካብ ዝሃብዎ ሓሳብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነበርቲ ጣብያ ሃይርሌ ኣብዚ ዓመት ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ኣብ መነባቡሮና ኣጎሳቒሉና ስሕት ኢለን ካብ ዝመፃ ናይ ርዳእታ እኽሊ እናቋመትና ኣብ ንመርሐሉ ዘለና እዋን ብኣመሓደርቲ ጣብያ ብዘይ ድልየትና ንመደባርያ ዝኸውን ገንዘብ እንተዘይ ከፊልኩም እቲ ሓገዝ ኣይወሃበኩም እናበሉ የገድዱና ኣሎው እንትብሉ፣ ወሲኾም ድማ ንመደባርያ መዕደጊ ዝኸውን ዓቕሚ የብልናን ብስሩ እውን ሂወትናን ሂወት ደቅናን ከየውሓስና ሕዚ ንመደባርያ እናተብሃለ ተቖፅዩ ክሽየጥ ካብ ሓደ ህዝቢ ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ኣካል ዘይትፅበዮን  ኣግባብነት ዘይብሉ ተግባርን እዩ ብምባል ምረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ እቶም ነበርቲ ጥርዓና ዋላ እኳ ነስምዕ እንተኾና ፀገምና ብቕልጡፍ ተረዲኡ ፍታሕ ዝህብ ኣካል ብሰንኪ ምስኣና ኣብ ማሕበራዊ ሂወትና ቅሉውላው ፈጢሩልና ኣሎ ክብሉ ወሲኾም ኣፍሊጦም። 

No comments:

Post a Comment