ብመሰረት
ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተውላዕሎ ጣብያ ነጋሽ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ኣብ ልምዓት ክውዕል እዩ ብዝብል
ምኽንያት ካብ ህዝቢ ኣገዲዶም ዝኣከብዎ 32 ሽሕ ብርን ፀገም ናይቲ ከባቢ ክፈትሕ ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝተልኣኸ 12 ሽሕ ብርን
ኣብ ውልቀ ረብሐኦም ከም ዘጠፋፍእዎ ተገሊፁ።
ወሲኹ
እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ማእላያ ዘይብሎም ስራሕ ዘይረኸቡ መናእሰይ መሬት ይውሃበና ዝብል ጥርዓን እኳ እንተቕረቡ ኣመሓደርቲ
እቲ ከባቢ ግን ፀማም እዝኒ ብምሃብ መሬት ናይቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበሮም መሬት ደሪቦም ብምሓዝን ከምኡ እውን ብናይ ህዝቢ
ገንዘብ ዝተገዘአ ተንዲኖ ንባዕልቶም ብምውሳድን ናይቲ ከባቢ ህዝቢ
ድማ ዘዋፃእናዮ ገንዘብ ኣበይ ኣትዩ ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ፀረ ሰላምን ፀረ ልምዓትን ኢኹም ብምባል የፈራርሕዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ
ዜና ኣብ'ቲ ወረዳ ዝርከቡ ሓለፍቲ ትምህርቲ ልዕሊ 60 ሽሕ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ እናሃለወ ኦዲት ዝተገብረ ግና 30 ሽሕ
ብር ጥራሕ ከም ዝኾነን ከምኡ እውን ናይ ደረሰይ ወረቐት ስለ ዘይብሉ ንባዕልቶም የጠፋፍእዎ ኣሎው ብምባል ህዝቢ ኣብ መረረት ከም
ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ ።
No comments:
Post a Comment