Monday, June 13, 2016

ተማሓይሹ ወፂኡ ዝተብሃለ ናይ ኣታዊ ግብሪ ኣዋጅ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎ ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ዝገብር ከም ዘኮነ፣ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ናይ ኣታዊ ግብሪ መምሓየሺ ተባሂሉ ዝወፀ ኣዋጅ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ዝገብር ኣይኮነን ተባሂሉ ክግለፅ ዝፀንሐ እንትኸዉን፣ ናይ ገንዘብን ኢኮኖሚን ናይ ምትሕብባር ሚኒስተር ኣብ ዘዳለዎ ረቒቕ ናይ ኣታዊ ግብሪ መጠን ትሑት ኣታዊ ንዝረክብ ክፋል ሕብረተሰብ፣ ብዝግባእ ጠመተ ከም ዘይገበረ ተገሊፁ። እዚ ንህዝቢ ኢፋ ዝተገብረ ኣዋጃብ ኣብ ሕብረተሰብ ሰፊሕ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ብምህላዉ፣ ብተወሳኺ ድማ ናይ ንግዲ ስርዓት ከይናጋዕ  ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።         
እቲ ክሳብ ሕዚ ክሰርሕ ዝፀንሐ ናይ ኣታዊ ግብሪ ኣዋጅ ኣብ ዝመሓየሸሉ እዋን ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ዝጠቅም ከም ዝኾነ እቲ ስርዓት ክገልፅ ዝፀንሐ ኮይኑ፣ እንተኾነ ግን ገለ ክፋል ሕብተረሰብ ካብ ኣታዊ ግብሪ ምቕናስ ተሪፉ ናይ ዋጋ ናህሪ ዕዳጋ ካብዚ ዘለዎ ክዉስኽ እዩ ኣብ ዝብል ከቢድ ስግኣት ወዲቖም ከም ዘለዉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ናይ ገንዘብን ኢኮኖሚን ምትሕብባር ልምዓት ሚኒስተር ኣቶ አብዱልአዚዝ ንተወከልቲ ህዝቢ ብኽሪ ቤት ኣብ ኣብ ዘቅረብዎ ፀብፃብ፣ ንዝቕፅል ዓመት ዝተመደበ ባጀት 274.3 ቢልዮም ኮይኑ፣ እዚ ድማ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ50 ቢልዮን ክብ ዝበለ እንትኸዉን፣ እዚ ድማ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ዝገብር ከም ዘይኮነ ገለ ክፈል ሕብረተሰብ ኣብ ምግላፅ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።    

No comments:

Post a Comment