ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ፣ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ሓውዜን
ብ1997 ዓ/ም ኒው ሚኒሊየም ቪለጅ ብዝብል ዝፅዋዕ ናይ ደገ ትካል ንከተማ ሓውዜን ማእኸል ዝገበረ ናይ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት
ንምድጋፍን ከምኡ እውን ን10 ገፀር ጣብያታት ወረዳ ሓውዜን ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ኣብ ኳዕቲ ማይ፣ፅርግያ፣ ግልጋሎት
ጥዕና ፣ኤሌክትሪክ ወዘተ...ክሰርሕ ተባሂሉ ዝኣተወ ኮይኑ፣ክሳብ 2005 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ዓመታት ኣየሕዊ ኣየምውት ስራሕቲ እናሳለጠ
መፂኡ እዩ እንትብሉ፣
ካብ 2005 ዓ/ም ካሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ግዜ ግን ቅሉዕ ዝኾነ ናይ ውሑዳት
መርብሕን ካብ ዝተውሃቦ ተልእኾ ወፃኢ መጋበርያ ግዕዚና ይኸውን ኣሎ ይብሉ ነበርቲ ከተማ ሓውዜን።
ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ገብረሂወት ገብረየሱስ እውን እንተኾነ ብግድኡ
እቲ ብህዝቢ ዝለዓል ዘሎ መረረት ቅኑዕ እዩ ድሕሪ ምባሉ፣ ወሲኹ እንትገልፅ ድማ እዚ ትካል እዚ 188 ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ ንምውፃእ
ተባሂሉ ንሕድሕድ ጉድጓድ 250 ሽሕ ብር ተበጅትሉ ጀሚሩ ኣቛሪፁዎ ከምኡ እውን ነቲ ከባብን ሕብረተሰብን ዘየገናዘበ መድሓኒታት
ብሚሉዮናት ዓዲጉ ገንዘብ ህዝቢ ተጓሒፉ ተሪፉ ንኣደዳ ካልኣይ ክሳራ ኣቃሊዑና እዩ እንትብል፣
ናይቲ ትካል ኒው ሚኒሉየም ቪለጅ ተወካሊ ሓላፊ ኣክሊሉ ገብረጨርቆስ ድማ
እቶም ክኮዓቱ ተባሂሎም ዝተሓሰቡ ጎዳጉዲ ማይ መቛረፂኦም ምኽንያት ብሕጊ ይፃረዩ ኣሎው ድሕሪ ምባል፣ እቲ ብህዝብን ብኣማሓዳሪ
ወረዳ ሓውዜን ዝግለፅ ዘሎ መረረት ግን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ ነቲ ሩኡይ ሓቂ ክሽፍኖ ብምፍታኑ ንቡዙሓት ነበርቲ ከም ዘቖጠዐ
ክፍለጥ ተኻኢሉ።
No comments:
Post a Comment