እቲ ብመስዋእትን ስንክልናን ህዝቢ ዝተረኸበ ዓወት ብውሕዳት ጠላማት መራሕቲ ህወሓት ነቲ ዝነበረ መቃለሲ ዕላማን ባህግን ህዝቢ ጠሊሞም
ኣብ ፅባሕ ዓወት 20 ግንቦት ነቲ ን17 ዓመት መመላእታ ሙሩፃት ደቁን ባዕሉን ንብረቱን ኣወፍዩ ቅያ ዝሰረሐ ጅግና
ህዝቢ ፣መስዋእቲ ደቁ ደብዳቤ ዘይለኣኸ ከም ዘይለ ቁፀሩዎ ተባሂሉ ግቡእ ክብርን መርድእን ክረክብ እኳ ዘይክኣለ ፣ሎሚ እቶም ናይቲ
ጥልመት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝኾኑ ኣካላት ታሪክ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅሓፍ ህዝቢ ገንዘቡ የዋፅእ ዝብል ኮሚቴታት ኣጣዩሾም
ፅዑቕ ጎስጓስ እናካየዱ ከም ዘሎው ተፈሊጡ ።
እቶም ዝተጣየሹ ኣብ 5 ዓበይቲ ኮሚቴታት ዝተኸፋፈሉ ኮይኖም፣
ኣባይ ፀሃየ ፖሎቲካዊ ጉዳያት ፣ስብሓት ነጋ ቁጠባዊ ጉዳያት፣ ስዩም መስፍን
ስራሕቲ ወፃኢ ጉዳያት፣ ሳሞራ ዩኑስ ወታደራዊ ጉዳያት ፣ፀጋይ በርሀ ስራሕቲ ክፍሊ ህዝቢ ክስንዱ ተባሂሎም ዝተወከሉ ኮይኖም፣ ኣብ
ትሕቲኦም ካልኦት ኣናእሽቲ ክፍልታት እውን ከም ዘለዋ እንትገልፁ ነዚ ጠቕሊሉ ብላዕለዋይነት ዝመርሖ ድማ ኣባይ ፀሃየ እንትኸውን
ንሕና ናይ ሓደ ወርሒ ደመወዝና ኣወፊና ኣለና እቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ናይ ሓፋሽ ስለ ዝኾነ እቲ ታሪኽ ክስነድን ንተመራመርትን ፀሓፍቲ ታሪኽን ፍልፍል ኮይኑ
ብዘገልግለሉ ሓቀኛ ታሪኽ ስለ ዝስነድ ኩሉ ሰብ ገንዘብ ከዋፅእ ኣሎዎ
ብምባል ኣብ ድሮ ምኽባር መበል 25 ዓመት ብሩራዊ እዮቤል ዓወት 20 ግንቦት መደረ ከም ዘስሙዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መዎዳእታ መራሕቲ ህወሓት ነቲ መስተንክራዊ ጅግንነት ሰሪሑ ዓወት
ዘዕተረ ህዝቢ ፃማ ቃልሱ ሓሪሙዎ ናብ ዝኸፈአ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣቃሊዖሞ ኢሉ እውን ናብ ደማዊ ኲናትን ሕድሕዳዊ ግጭትን ተኸቢቡ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣይውክልን እናበለ ኣብቲ ዝበለሓ ጫፍ ናይ ቃልሲ
በፂሑ ኣብ ዘለሉ እዋን፣ሕዚ ኣብ መበል 25 ዓመት ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምስናድ ኩሉ ህዝቢ ገንዘብ የዋፅእ ኢሎም
እቶም ናይቲ ጥልመት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝኾኑ መራሕቲ ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ዘደናገሩና ከይኣክል ሎሚ ድማ ታሪኽ ንምስናድ ብዝብል
ካብ ኣፍ ደገ ሞት ዘየድሕን ዝተኣልመ ውዲት እዩ ብምባል ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
No comments:
Post a Comment