Thursday, June 16, 2016

ሰበ ስልጣን ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ጐኒ ውድብ ብኣዴን ተሰሊፎም ንዝተቓለሱ ውሑዳት ነባራት ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ናይ ይምሰል ኣፍልጦ ይህቡዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ስርዓት ኢህወደግ ፣ዓማፂ ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ኣብ ጐኒ ወድብ ብኣዴን ተሰሊፎም ንዝተቓለሱ ነባራት ተጋደልቲ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ነቲ ካብ ህዝቢ ክወርድ ዝፀንሐ ተደጋጋሚ ወቐሳታት ኣደናጊርካ ንምርግጋእ ተባሂሉ ናይ ይምሰል ኣፍልጦ ይውሃቦም ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ስርዓት ኢህወደግ ነቶም ኣብ ጐኒ ኣሕዋቶም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ስርዓት ደርግ ዝደምሰሱን ጅግንነት ዝፈፀሙን ነባራት ተጋደልቲ ብኣዴን ብዘይ ምንም ዓስቢ ከም ዝጉሓፎምን ኣብ ከቢድ ፀገምን ልመናን ከም ዘለውን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሕጂ ድሕሪ 25 ዓመት ንውሑዳት ተጋደልቲ ጥራሕ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ክውሃብ ምግባር ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተላዒሉ ዘሎ ሓያል ቁጥዐ ህዝቢ ንምዝሕሓልን ኣንፈቱ ንምቕያርን ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

እቲ ናይ ይምሰል ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ብምኽትል ቀዳማይ ምኒስተር ደመቀ ሞኮነን ዝተኻየደ ኮይኑ፣ መብዛሕትኦም ነባራት ተጋደልትን ጉዳኣት ኣካልን ኣብ ዘይተረኸብሉ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ክውሃብ ምግባር ድማ ነቲ  ኣብዝሓ  ተጋዳላይ  ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ፍቖዶ ልመና ተዋፊሮም ዘለው ነባራት ጉድኣት ኣካል ተጋደልቲ ብኣዴን ዘይውክል እዩ ክብል ኣብ ኣደራሽ ባህርዳር ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ብምረት ቁጥዐኡ ከም ዝገለፀ ተፈሊጡ።


No comments:

Post a Comment