Tuesday, June 7, 2016

ልምዓት ብዕንወት ኣይረጋገፅን



       መሬት ንሓንቲ ሃገር ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ዕብየት ንምምዝጋብ ዝለዓለ ግደ ዘሎዎ ተፈጥራዊ ሃፍቲ ምኻኑ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን።እዚ ብተፈጥሮ ዝርከብ ፀጋ ድማ ዜጋታት ተጠቃምነቶም ንምርግጋፅ ብማዕረ፣ ፍትሓዊ ተበፃሕነት ዋንነት መሬት ረኺቦም ፣ምህርቲ ኣፍርዮም ክዕንገልሉን ከምኡ እውን መንበሪ ገዛ ከም ቁልፊ መሰረታዊ ድሌት ደቂ ሰባት ተወሲዱ ብምስራሕ ካብ ፅሓይ፣ዝናብን ንፋስን ዘዕቕሉሉ መዕቖቢ ረኺቦም ዝተረጋገዐ ናብራ ክመርሑ ናይ ኩሉ ባህጊ እዩ።
     በዚ መዳይ ጉዳይ መሬት ካብ ኣልዓልና ኣብ ሃገርና እቲ ንዘመናት ዝኣክል ፍታሕ ዝሰኣነ ሕቶ መሬትን ተጠቃምነትን እቲ ሓደ ምዃኑ ወድዓዊ ሓቂ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ህዝብና ብረት ኣልዒሉ ደማዊ ኲናት ከካይድ ዘገደዶ ምኽንያታት ድማ ኣብ መገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ እናተርእየ ተፈጥራዊ ፀጋ ሃገሩ ከም ዘይምልከቶ ብጎቦ ዓይኑ እናረአየን ግቡእ ዋንነት መሬት ስኢኑ ውሑዳት ብፉሉይ ይርቡሑሉን ይምዝምዝዎን ብምንባሩ ብቓልሱ መኪቱ ዋንነት መሬትን ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ከረጋግፅ ክብል እዚ ኩሉ መስዋእትን ስንክልናን ክኸፍል ዝተገደደ።

    እንተኾነ ግን ብሰንኪ ጠላማት መራሕቲ ህወሓት ኢህወደግ ህዝብና ዝተቓለሰሎም ዕላማታት ንጎኒ ገዲፎም ኣብ ውልቀ ረብሓታቶም ከእትውዎ ክኢሎም እዮም ጥራሕ ከይኮነስ ፣ሎሚ መንእሰይ ግቡእ ዝኾነ ናይ ዋንነት መሬት ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሓሪሱ ናብሩኡ ዝመርሓሉን  ምህርቱ ዘደንፍዐሉ ጥጡሕ ባይታ ክረክብ ኣይከኣለን።ብተመሳሳሊ ነታ ክንዲ ግንባር ብዕራይ ትኸውን ዝተዓደላ መሬቱ እውን እንተኾነ ፣ልዕሊ ዓቐን ግብሪ እናኸፈለን ንዝተፈላለዩ መዓለኦም ዘይፍለጡ ወፃኢታት እናተሓተተ ፣ነታ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝመርሓ ናብሩኡ ምኽኣል ስኢንዋ ኣደዳ ዕዳን ዕንድዳን ኮይኑ  ይርከብ።

   እዚ ከም ዘሎዎ ኮይኑ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ምዝቛቕ ዝለመዱ መራሕቲ ነቲ ኣብ ገፀር ዝነብር ይኹን ኣብ ከተማ ደም ሪሂፁ ዝሰርሐን መንበሪ ኣባይቱ ንልምዓታዊ በዓል ሃፍትን ንትካልን ወዘተ…ብዝብል ጉልባብ ብዶዞራት እናፍረሱ ህዝቢ ብዘይ ቡቑዕ ካሕሳን ተለዋጢ መሬትን ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተቓሊዑ ንዘቕርቦም ጥርዓን ይኹን ሕቶታት ቅልጡፍ ምላሽ ስኢኑ ክንጋላታዕ ምርኣይ ዝተለመደ እዩ።

   ሃገርን ህዝብን የመሓድር ኣለኹ ዝብል ስርዓት ግን ቅድሚ መሬት ናይ ድኻታት ምምንጣሉን ገዛውቲ ምፍራሱን ዝህሉዎ ረብሓን ተጠቃምነትን ምስ ህዝቡ ብግልፂ ተረዳዲኡ እኹል ዝኾነ ካሕሳን መፅለሊ ገዛውትን ተለዋጢ መሬትን ብግቡእ ክረኽቡ ምግባር እዩ። ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ግን ነዚ ክገብሩ ሕልኖኦም ከፍቅደሎምስ ይትረፍ፣ ብዘይግቡእ ካሕሳን ተለዋጢ መሬትን ኣባይትና ክፈርስ ኣይነፍቅድን መሬትና ኣይንምንጠልን ኢሎም ኣብ ኣደባባይ ንዝወፁ ወገናት ድራር ጥዩት ክኾኑን ብዘይ ንሕስያ ዝተፈላለዩ መግረፍቲ ክወርዶምን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ክሳቐዩ እናገበሩ መፂኦምን ኣሎውን።
     
ንሩሑቕ ከይከድና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን  ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ካድራ ሓዊስካ ብኣማኢት ዝቑፀር ናይ ድኻታት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ምዕናው ይርከብ።እቲ ብትእዛዝ ሰበ ስልጣን ህወሓት ኢህወደግ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ገዛውቲ ምፍራስ ዘመተ መፍትሒ ሲኢኖም ዘይኮኑስ፣መሬት ህዝቢ ንናይ ውሽጥን ወፃእን ሰብ ሃፍቲ ብምሻጥ መሕበጢ ጅብኦምን ንርውየት ስሱዕ ባህሪኦምን ንምውዓል መሰረት ዝገበረ እዩ።

እዞም ብስሰዐ ዓይኖም ዝዓወሩ ኢህወደጋውያን ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘለው ካብ ፀረ ህዝቢ ተግባራቶም ተቖጢቦም ፍታሕን ርብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅ ልምዓት ንፅበ እንተዳኣ ኮይና ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዕንወት እናባኣሰ ክኸይድ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ስለዚ ግቡእ ካሕሳን መፅናዕትን ምርድዳእን ዘይተገብሮ ምምንጣል መሬትን ምፍራስ ኣባይትን ውፂኢቱ ዕንወት ‘በር ዝመፅእ ልምዓት የለን።


  





No comments:

Post a Comment