Saturday, July 23, 2016

ኣብ ወረዳ ስሓርቲ ሳምረ ከቢድ ዝኾነ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣጋጢሙ ብምህላዉ፣ ነበርቲ ይፈትሓልና ክብሉ ጥርዓኖም የስምዑ ከም ዘለዉ ተፍሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ ስሓርቲ ሳምረ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ማይ ሕፅረት ኣጋጢሙ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ነበርቲ "ክሳብ ምዓስ ኢና ብማይ ፅምኢ ክንሳቐ መንግስቲ የለን ድዩ" ክብሉ ንዝምልከቶ ኣካል ጥርዓኖም ዋላ'ኳ እንተቕረቡ፣ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዘይክኣሉን ክሳብ ሕዚ ተሸጊሮም ከም ዝርከቡን ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብታ ወረዳ ኣብ 2006 ዓ/ም ብመንግስቲ እቲ ክልል  17 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ናይ ማይ ፕሮጀት ኣብ ሓፂር ግዜ ቡምባታት ማይ ኣብታ ወረዳ ክትከላ እየን ተባሂሉ እኳ እንተበረ፣ ኣብቲ ዝተብሃሎ ግዜ ክሳለጥ ብዘይምኽኣሉ ድማ፣ መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተወሳኺ 2.3 ሚልዮን ብር ነቲ ፀገም መፍትሒ በጅተ ክብል እኳ እንተገለፀ፣  ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ምስቶም ኣካየድቲ እቲ ፕሮጀት ስለ ዘጠፋፍእዎ፣ ነበርቲ እታ ወረዳ ብፍላይ ነበርቲ ከተማ ሳምረ ዝስተ ፁሩይ ማይ ስኢኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ተገሊፁ።
በዚ ድማ ናይ ክልል ምምሕዳር ናይ በጀት ቁፅፅር ድኽመት ከም ዘለዎን  ንባዕሉ ኣብ ግዕዝይና ጥሒሉ ከም ዝርከብን ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፣ ብተወሳኺ 'ዉን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣምሓደርቲ እታ ወረዳ ፁሩይ ማይ ክነቕርበልኩም ኢና ብምባል፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ካብ ህዝቢ ብምዉፃእ፣ ንከተማ ሳምረ ብቦጣት ማይ የቕርቡ እኳ እንተሃለዉ፣ እቲ ማይ ግን ፅሬቱ ዘይሓለወን እኹልን ከም ዘይኮነ ነበርቲ ከተማ ሳምረ ወሲኾም ብምረት ይዛረቡ።    




No comments:

Post a Comment