Saturday, July 23, 2016

ኣብዚ ሰሙን እዚ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ንግዕዙይ ምሕደራ ኢህወደግ ብምቅዋም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ።



ንምጥቃስ ድማ ፦
1/ገዛኢ ሃይለ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ጣብያ ሰንትርለይ፣
2/ ጌትነት ፀጋይ፣ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፣ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ጣብያ ዓዲ ሃገራይ፣
3/ኤልያስ ኣለምሰገድ፣ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ፣ ጣብያ በለስ
4/ሻንበል ተስፋንችአል፣ ካብ ዞባ ማእኻል፣ ወረዳ መረብለኸ፣ ጣብያ ዓዲ ገባት፣
5/ሃፍቶም ብርሃነ፣ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፣ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ጣብያ ዓዲ ኣውዓላ፣
6/ገረንስአ ሓዱሽ፣ ካብ ዞባ ማእኸል፣ ወረዳ መረብ-ለኸ፣ ጣብያ ምሕቛን፣ ቁሸት ስፍራ ጨው
7/ስዩም ኣብራሃ፣ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ወረዳ ሰለኽለኻ፣ ጣብያ ምንጥል፣
8/ብርሃነ ኣባዲ ካብ ዞባ ማእኸል፣ ወረዳ መረብለኸ፣ ጣብያ ጠራውር፣
9/ተኽለ ተስፋ ገብሩ ካብ ዞባ ማእኸል፣ ወረዳ ኣሕፈሮም፣ ጣብያ ዝባን ጒላ፣  
10/ደሳለ መሓሪ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ግሎመኸዳ፣ ጣብያ ዛላምበሳ፣
11/ኣማኑኤል ተስፋይ፣ ካብ ዞባ ምብራቕ፣ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ዓለቲና
12/ገብረ ተስፋ፣ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብለኸ፣ ጣብያ ጠራውር፣
13/ፊልሞን ክፍለ ካብ ዞባ ምብራቕ፣ ወረዳ ግሎመኸዳ፣ ጣብያ ዛላምበሳ፣
14/ጎይትኦም ብርሃነ፣ ካብ ዞባ ማእኸል፣ ወረዳ ኣሕፈሮም፣ ጣብያ ሆያ፣
15/ሓጎስ ገብረ ካብ ዞባ ምብራቕ፣ ወረዳ ኢሮብ፣ ጣብያ ዓሊተና
16/ሚኪኤለ ሓዱሽ ፣ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ግሎመኸዳ፣ ጣብያ ዛላምበሳ
17/ወላይ በርሀ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ፣ ጣብያ ዓዲ ነብሪ ኢድ፣ ዝዓዱ እንትኾኑ፣ ንሳቶም ናብ ዴምህት መምፂኢኦም ክገልፁ ከለው፣መናእሰይ ኮይንና ሰሪሕና ከይንበልዕ ስራሕ የለን፣ስኽ ከይንብል ድማ ሰብ ከይበልዐ ኣይነብርን ድሕሪ ምባል፣ኣስዒቦም ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንእሰይ ሃገርና ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ሰሪሑ ከይበልዕ ከይንቀሳቐስን ብሓይልታት ፀፅታ ስርዓት ኢህወደግ ፀጉሪ ለወጥ እናተብሃለ ቡዙሕ ምንግልታዕ ይበፅሖ ከምዘሎን፣ንሕና ድማ ናብ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት)ተፀንቢርና ዕጥቃዊ ቃልሲ መሪፅና ክብሉ ገሊፆም።
መንእሰይ ኤልያስ ኣለምሰገድ ብወገኑ ኣነ ነጋዳይ ነይረ ድኳን ድማ ኔሩኒ ምስበለ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ክፈል ስለ ዝተብሃልኩ ንኡኡ ዘኽፍል ገንዘብ ድማ ስለ ዘይነበረኒ ካድረታት እቲ ስርዓት ነቲ ድኳን ዓሺጎሞ ክብል ገሊፁ።

No comments:

Post a Comment