Friday, July 15, 2016

ፍትሒ ዝፅየፍ ስርዓት ፍትሓዊ እቶት ግብሪ ኣየረጋግፅን!!



ግብሪ ምኽፋል ዘይተርፍን ናይ ኩሉ ወዲ ዜጋ ሃገራዊ ጉቡኡን ሓላፍነቱን ምዃኑ ንኹሉ ዘረዳድእ ሓቂ እዩ።ምኽንያቱ ልምዓትን ዕብየትን ናይ ሓንቲ ሃገር ዝሳለጥ ካብ ዜጋታት ብዝእከብ ግብርን ቀረፅን ስለ ዝኾነ።
    ብምዃኑ ድማ እቲ ዝእከብ ግብሪ ተመሊሱ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ዕብየትን ከምኡ እውን ፍትሓዊ ተጠቃምነት፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝብሉ መሰረታዊ ነጥብታት ዝረጋገፀሉ ድማ ነፃ ናይ ፍትሒ ስርዓት ከም ቁልፊ ኣሰራርሓ ተወሲዱ ህዝቢ ስሉጥ ግልጋሎት ፍትሒ ክረክብ ዘኽእል መስርሕ እንትህሉ ጥራሕ እዩ።
   እንተኾነ ግን ንፍትሕን ዴሞክራስን ዝፅየፍ ናይ ውሑዳት ረብሓን መሕለዊ ስልጣን ዝቖመ ስርዓት ፍትሓውነት ዘለዎ ኣከፋፍላ ግብሪ ናይ ዜጋታት  ክፈጥር እዩ ኢልካ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን።
   በዚ መሰረት ድማ እቲ ብመስዋእቲ ቀያሕትን ፀለምትን ደቂ ህዝቢ ተበሊፁ ናብ ስልጣን ዝተቖናጠጠ ናይ ውሕዳት እኽብካብ ጉጅለ፣ ኢህወደግን ኣጋር ውድባቱን ክንርኢ ከለና፣ ካብታ በትረ ስልጣን ዝሓዘላ ዕለት ጀሚሩ ካሳብ ሕዚ ዘላቕነት ዘለዎ ስርዓት ኣተኣኻኽባ ግብሪ ከይፈጠረ ነቲ ንሱ ዝደልዮ ስሱዕ ባህሪኡ ከማልእ ክብል ንህዝብና ፍትሓውነት ዝጎደሎ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ካብ ድኻ ህዝቢ እናመንጨተ መሕበጢ ጅብኡ እናውዓሎ መፂኡን ኣሎን።
  መራሕቲ ኢህወደግ ስርዓት ዘለዎ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ብሰንኪ ዘይምፍጣሮም ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ምስ ኣታዊታቶም ዘይመጣጠን ሉዑል መጠን ግብሪ ክፈሉ እናተብሃሉ መምርሒ እንተውርዱ ፣ብኣንፃሩ እቲ ከፋሊ ግብሪ ህዝቢ ድማ እዚ ናተይ ኣይኮነን ፣ሰሪሐ ዘትረፍኩዎስ ይትረፍ ዘለኒ ንብረት ሸይጠ እውን መኽፈሊ የብለይን ኢሉ ዝሕንዝሕ እናነብዐ ሕቶ ይኹን ጥርዓን ኣብ ዘቕርበሉ ፍታሕ ስኢኑ ተገዲዱ እናንፀርፀረ ክኸፍል እናገበሩ መፂኦምን ኣሎውን።
  ብምዃኑ ድማ ቀወምትን ተንቀስቅቐስትን ነጋዶን ሸቃጦን ካልኦት ሰብትካላትን ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ዝወርዶም ትእዛዝ ኣይከፈልካን ተባሂሉ ዝሰርሐሉ ትካልን ሸቐጥን ክዕፆን ኢሉ እውን ጣቕሊሉ ስርሑ ደው ኣቢሉ ተስፋ ቆሪፁ ናብ ፎቖዶ ዓዲ ጓና ስደት እናምረሐ ኣብ ባሕሪን ምድረባዳን ብሂወቱ ወዲቑ ዝተርፍ ወገን ኣዝዩ ቡዙሕ እዩ።
   ነቲ ፍትሓውነት ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፀዓን ልዕሊ ዓቐን ግብሪ መንግስቲ ንዝተቓወመን ዝሓተተን ህዝቢ ዓንቃፍን ፀረ-ልምዓትን ዝብል ስያመ እናጠመቐ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ እናተቖፅረ ክነብር ተፈሪዱዎ 'ሎ። 
   እቲ ኣብዚ ዓመት ብሹም ሰናይ ምምሕዳር ብምስያም ክሳብ ሕዚ ዝካየዱ ዘሎው ሙሱሉያት ኮንፈርንስን ተኸታታሊ ኣኼባን እቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ግብሪ ብግዴታ ንኸፍል ኣለና፣ ብግምት ዝኽፈል እቶት ግብሪ ንግዕዝይና ዝተቓለዐ ብምዃኑ ኣብ ተግባራት ግዕዝይና ዝተዋፈሩ ኣካላት ዝፈልጥዎ ሰብ ክቕንስሉ ንዘይ ፈልጥዎ ድማ ከም ድልየቶም ይውስኽሉ ኣሎው። ነዚ ኩሉ ንምፍታሕ ፍትሓውነትን ስርዓትን ዘሎዎ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ይሃሉ ኢሉ ዝሓትትን ዝነቅፍን እኳ እንተኾነ ሕዚ እውን ካብ ተራ ፕሮፖጋንዳን ሸቐጥን ዝዘለለ መሰረታዊ ፍታሕ ከምፅእ ኣይከለን።
   ስለዚ እቲ ኣብዚ ዓመት ካብ ሓምለ ሓደ ዝጅምር እቶት ግብሪ ካብ ዜጋታት ድማ ከምቲ ልማዱ ፍትሓውነት ዝጐደሎ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ብሓይሊ ክምንጭት ክግደድ እዩ። ምኽንያቱ ፍትሒ ዝፅየፍ ስርዓ ፍትሓዊ እቶት ግብሪ  ከረጋግፅ ስለ ዘይኽእል።

No comments:

Post a Comment