Friday, July 15, 2016

ብሙሱሉይ ባጀት ኢህወደግ ረብሓ ህዝቢ ኣየረጋግፅን!!



ከም ዝፍለጥ ህዝብና ህዝቢ ኢትዩጵያ ኣብ መዓልኡ ዘይፍለጥ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን በቢ ዓመቱ ኣብ ኣብቲ ስማዊ ፓርላማ በጀት ፀዲቑ እናተብሃለ ብሚድያ ክሰምዕን በቲ ሓደ፣ በቲ ካልእ ድማ እቲ ዝተበጀተ በጀትን ኣብ ባይታ ዝመፀ ለውጥን እቲ በዓል ዋና ህዝቢ ኣመዛዚኑ ክሪኦ ከሎ፣ ናይ መደናገርን መሕበጢ ጅባ ውሑዳት ግዑዙያት መራሕቲ እናወዓለ ናብ ፀድፊ ድኽነትን ዕንወትን እናምረሐ ርብዒ ዘመን ኣቑፂሩ ይርከብ።

በዚ መሰረት ናይዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብሹም ኢህወደግ ዝተኣኻኸበ ገዛኢ ጉጅለን ካልኦት ተለጠፍቲ ኣጋር ውድባቱን ክረአ ከሎ፣ ካብ ድኽነት ፍሒት ዘየብል ናይ ልምዓት ፖሊሲ ኣለና ብምባል ከምኡ እውን፣ ብናይ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይፅሎ ሓምለዋይ ልምዓትን ድኻ መሰረት ዝገበረ ፖሊሲን እናተመራሕና፣ ብቕፅበት ናብ ማእኸላይ እቶት ዘሎዎን ሃገራት ተርታ ክንስራዕ ኢና እናበሉ፣ ኣብቲ ሙሱሉይ ፓርላማ ተኣኪቦም ብሚድያ ነቲ ባዕሎም መሊሶም ዝበልዕዎ ባጀት ሰሊዕና ኢሎም ከስምዑን ህዝቢ ብናይ ተስፋ ቃላት ካብ ዘመሓድሩ ዓመታት ተቖፂሩ ኣሎ።

መቕፀልታ ናይዚ ድማ እቲ ብዕለት 27ን 28ን ሰነ ዘካየድዎ ናይቲ ሙሱሉይ ፓርላማ ናይ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ዝነበሮ ኣፈፃፅማ ብዝተለመደ ድራማዊ ሕቶን መልስን ብምክያድ ነቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ዕብየትን ለውጥን እታ ሃገር ብ2 ኣሃዝ ዕብየት ወይ ድማ ብ 11% ዕብየት ንዘመዝገበቶ ቀፃልነት ንክህሉዎን ኣብ ቀፃሊ 2009 ዓመት ከም ዘሎዎ ተዓቂቡ ንኽቕፅል መሰረት ብምግባር መፅናዕቲ ተገይሩሉ ኣሎ ብዝብል ሕሶት ክደጋግሙ ተራእዮም።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ እቲ ካልእ ሽግር ከም ዘሎዎ ኮይኑ ኣብ ኩሉ ከባብታት ናይ ሃገርና ዝነብር ህዝቢ ብዘጋጥሞን ዘሳቕዮን ዘሎ ዕለታዊ ናይ ማሕበራዊን ቑጠባውን ሽግራት ኣብ ዝካየዱ መድረኻትን ኣብ ቀረብኡ ንዘሎው ኣካላት ፍታሕ ንኽረክብ ብዘቕርቦ ጥርዓንን ሕቶን ፍታሕ ስኢኑ ንዘርእዮም ዘሎ ኩሉ ዓይነት ናይ ለውጢ ቃልሲ፣ ነቶም ሽግራት ብዝተወሰኑ ኣባላት ናይቲ ፓርላማ ክሓቱ ብምግባር ናይ ኣፈፃፅማ ሽግር ነይርዎም ብዝብል ድኽመቱ ካብ ምእማን ዝሓለፈ ካልእ መፍትሒ ከቕርብ ኣይከኣለን።



ምናልባት ባህርን ተግባርን ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ሽግር ፀላዕላዕ ምስበሎን ናብ ካልእ ዓይነት መማረፅታትን ስጉምትን ምውሳድ ኣብ ዝጅምረሉ፣ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝረአ ፀገም ጎልጒሉ ብምውፃእ ድኽመተይ እዩ ናይ ምባል ልምዲ ከም ዘሎዎ ናይ 25 ዓመት ሃፍታም በዓል ተሞክሮ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። 

እንተኾነ ግን ህዝብና ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘድልዮ ዘሎ እቲ ካልእ ሽግርስ ይትረፍ ነታ ንጎረርኡ ትኸውን ፅሪይቲ ትስተ ማይ ኣብ ገፀር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብር ወገን ብዝበፅሖ ዘሎ ስቓይን ሽግርን ኣብ ጥርዚ በፂሑ ብዘቕርቦም ዘሎ ተኸታታሊ ጥርዓን ይኹን ሕቶ ናብ ዝኸፈአ ክሳራን ሓደጋን ከይተቓለዐ ህፁፅ ፍታሕ ክረክብን ንውሕስንኡ ኣለኹልካ ዝብሎ ኣካል ክረክብ ቀፃሊ ድምፁ እናቃለሐ ይርከብ።

ስለዚ እቲ ብኢህወደግ ንሙሱሉይ ናይዚ ዓመት መዕፀዊ ባጀትን ናይ ቀፃሊ ዓመት ባጀት ንምፅዳቕ ዘካየዶ መደበኛ ስብሰባ ከም ኣመሉ ቁፅርታት ደርዲሩ ክሓልፍ ክኢሉ'ሎ። ህዝብና ግን ዓመት ዓመት እናተኣከበ ብናይ ሕሶት ፀብፃብ ብርሑቕ ዝፈልጥዎ መሰረተ ልምዓት ሰሪሕናልካ ክምኡ እውን ንልምዓት ክንዲ ኢትዮጵያ ዝበለት ሃገር ልዑል ባጀት ዝሰለዐት ኣፍሪካዊት ሃገር የላን ኢሉ ኣብ መድረኽ  ብናይ ሒሳብ ቀመራት ኣስሚዑ ኣንጨብጪቡ ክብተን ዘይኮነስ እቲ ካብ ጅባ ድኻ ብልዕሊ ዓቐን ግብርን ካልእን ዝተዘቖቖ ገንዘብን ብቢልዮናት ዝግመት ናይ ዕዳ ገንዘብ ተዓድዩ፣ ኣብቲ ስማዊ ፓርላማ ካብ ምስማዕ ዝዘለለ ኣብ ባይታ ወሪዱ ክትግበርን ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅን ካብ ድኽነትን ሽግርን ዘናግፍን ዘላቒ ፍታሕ ዘምፅእ ባጀት ክኸውን ኣሎዎ ክበሃሉ ይግባእ!!

No comments:

Post a Comment