Friday, July 15, 2016

ዝተሓላለኸ ቅልውላው ኢትዮጵያ ብናይ ሚድያ ሆይ ሆይታ ኣይዕበስን!!



   ኣብዚ ቕንያት እተን ናይ ህዝቢ ውግንናን ረብሓን ዘይብለን ሚድያታት ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ሰፊሕ ሸፈነ ብምሃብ ብዛዕባ ጠቕላይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ በፂሖም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ መጠቓለሊ ዑደቶም እናተቐባበላ ከጋውሐኦ ዝቐነያን ዘለዋን ዝምልከት እዩ።
  ዑደት እቶም ጠቕላይ ሚኒስተር ኣብቲ ስማዊ ፓርላማ ፊት ንፊት ተረኺቦም ካብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ኢትዮጵያን እስራኤልን ብታሪኽ ዝተኣሳሰራ ናይ ነዊሕ ጉዑዞ ኣለወን ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ቅልጡፍ ዕብየትን ምዕባለን ትርከብ ዘላ ሃገር እያ ኢሎም ናይ ኢህወደጋውያን ዝኣለምዎ ተንኮል ምስ ደገሙ ብልዑል ጣቕዒት እንትዕጀቡ፣ ኣስዒቦም ድማ መንግስቶም ኣብ ኢትዮጵያ መጠነ ሰፊሕ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስትመንት ከም ዝገብሩን ዳግማይ ናብ ኢትዮጵያ ምብፃሕ ናይ ምግባር ድልየት ከም ዘለዎም መግለፂ ክህቡ ተሰሚዖም።
   እዚ ምናልባት ኢዮጵያን እስራኤልን ብሃይማኖት ዝተኣሳሰረ ዘመናት ዘቑፀረ ውቁብ ታሪኽ ከም ዘለና ዘይከሓድ ሓቂ እዩ፥ ከምኡ እውን ንመጀመርታ ግዜ ዑደት ጠቕላይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሑ መራሒ ተባሂሎም ክግለጽ ይኽእል ይኸውን፥ ኣብዚ ክለዓል ዘሎዎ ጉዳይ ግን ስለምንታይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ክኢሎም? ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ክበጽሑ ዘይክኣሉሉ ምኽንያት’ከ እንታይ እዩ ዝብል ድማ ኩሉ ከስተውዕለሉ ዝግባእ ነጥቢ እዩ።
  እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ደገ መራሕቲ ሃገራት ስሒብካ ንዑ ብዝሃብናኩም ፀብፃብ፤ ዕብየትና ግለፁልና መዋእለ ንዋይኩም ከም ድልየትኩም ክተዋፍሩ ትኽእሉ ኢኹም ብዝብል ተንበርካኽነት ሓዱሽ ነገር ዘይኮነስነዊሕ ዓመታት ዝገበረን ኢሉ እውን ነቲ ውሽጣዊ ውጥረትን ጭንቀትን ብሚድያ ሰፊሕ ሸፈነ ጌርካ ስነ ኣእሙሮ ህዝቢ ምጥምዛዝ ፍሹል ተግባራት ሰበ ስልጣን ኢህወደጋውያን ምዃኑ ሕቶ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።
  እዚ ናይ ሐዚ ናይ እስራኤል ጠቕላይ ሚኒስተር ናብ ኢትዮጵያ ምብፃሕ ድማ ከም ናይ ባራክ ኦባማ ንዝተወሰነ መዓልትታት ብሚድያ ትኹረት ሂብካ ክጋዋሕን ንግዝያዊ ውሽጣዊ ውጥረት ኣንፈቱ ንምቕልባስ ዝዓለመ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝርከቦ ፋይዳ የቡሉን።
  ምኽንያቱ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘላቶ ናይ ኢኮኖሚ ደረጃ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ካልእ ዝፈልጦ ኣካል የለን። መራሕቲ ኢህወዴግ ዓቢኹም ኢኹም ማዕቢልኩም ኢኹም ኢሎምና ኣይፋል ናብራና ባዕልና ኢና ንፈልጦ ሰበ ስልጣን ናይቲ ስርዓት ኢኹም ብግዕዚና ዓቢኹም ዘለኹም ‘ምበር ንሕናስ መነባብሮና ንቑልቁል እዩ ዝንቆት ዘሎ ስለ ዝበልናዮም ናይ ደገ መራሕቲ ጸዊዖም መስክሩሉና እንተበሉ ብህዝቢ ምሽክዕላል እዩ።
ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሰበ ስልጣናት ኢህወደግ ከምቲ ልማዶም ብዘይ ተሓታትነት ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ተፈጥራዊ ፀጋታትን ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ድንግል መሬት ኢትዩጵያከምኡ እውን ህዝብና ንዓመታት ካብ ዝነበረሉ መረበቱ እናተፈናቐለ ንኣንጭዋ ገዛ ኣንጭዋ ደገ ተውፅኣ ከም ዝበሃል ብሽም ኢንቨስትመንት ውሑዳት ኢንቨስተራት ናይ ባዕዲ ከም ድልየቶም ክዕንድሩሉን ዜጋታትና ድማ ብሕሳር ትኳቦ ኣብቶም ናይ ደገ ትካላት ክሽቅሉን ብምግባር ዘመናዊ ባርነት ዘፍቅድ ኢሉ 'ውን ነቲ ሰኣን መሬትን ስራሕን ናብ ፈቕድኦ ስደት ብቐጻሊ እናውሓዘ ዝኸይድ ዘሎ ወገን ድማ መሊሱ ናብ ዓዘቕቲ ድኽነት ክሳጣሕ ዘኽእል ናይ ድሕሪ መጋረጃ ውዕላት ከካይዱ ተኽእሎ ኣሎዎም።
ህዝብና ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ብእከይ ተግበራት መራሕቲ ኢህወዴግ ዝተፈጠረን ዝተኣለመን ውዲት ተሓላሊኹ ፍታሕ ስኢኑ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ሰብኣውነት ዘይብሎም ሓይልታት መዓልታዊ ሂወቱ እናተሓመሰ፤ እናተገረፈን ኣብ ማእኸል ጎልጎል ዓዱ እናተቐዘፈን ይውዕል ኣሎ፥ ስለዚ ነቲ ውሽጣዊ ውጥረትን ሕልኽላኻትን መሰረታውን ዘላቕን ዝኸውን ፍታሕ ከይፈጠርካ ብናይ ደገ መራሕቲ ሃገራት ኣብ መድረኽ ዓዲምካ ዝግበር ስብከትን ሆይ ሆይታን ንግዝያዊ ፕሮፖጋንዳዊ ሸቐጥ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ዝመፅእ ተኣምር ከም ዘየለ ክፍለጥ ይግባእ።  

No comments:

Post a Comment