Saturday, July 30, 2016

ብዓፈና ኢህወደግ ዝቀፃፀል ቀፃሊ ቃልሲ!!



  እቲ ኢህወደግ ዝብል ሽም ሒዙ ኣብ ስልጣን ዝዕንድር ዘሎ ገዛኢ ስርዓት፣ ንርብዒ ክፍለ ዘመን ዝኣክል ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዝኽኣለ፣ ብድሌት መላእ ብሄር ቢሄረ ሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፣ ብሓይሊ ብረት ብምዕፋንን ብምጭፍላቕን ከም ዝኾነ ወድዓዊ ሓቂ እዩ።
    እዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ እዚ ካብ ፋልማዩ ‘ውን እንተኾነ እታ ብመስዋእትን ስንክልናን መላእ ህዝብታት ዝተረኸበት ዓወት፣ ተበሊፁ ዝሓዛ ወንበር፣ ድሕሪ ፅባሕ ዓወት ብግልፂ ካብ ዘርኣዮ ጥልመትን ክሕደትን ኣትሒዙ ህዝብና ናይ ውሑዳት ረብሓን ድልየትን ዝተኣኻኸበ ምዃኑ ንኽፈልጦን ኣንፃሩ ክለዓልን ግዜ ኣይወሰደሉን።
   ስለ ዝኾነ ድማ ህዝብና ነቲ እኩይ ተግባራቱን ክሕደቱን ብውልቀ ይኹን ብሓባር ኮይኑ ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ንኽረክብ ኣብ ኣደባባይ ወፂኡ ተቓውሙኡን ሕቶታቱን ንዘስምዐ ወገን ብዓረር ጠያይቲ እናተቖሽመደ ሂወቱ እንትሓልፍ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ንፁሃት ወገናት ድማ ብናይ ጠቐነ ገበናት በቢ ግዚኡ ኣብ እሱር ክዳጎኑን ከምኡ ‘ውን ብሚድያ ንህዝቢ ከደናግር ክብል ዝተፈላለዩ ኣሽማት እናለጠፈ ዘይሞኮሮ ፈተነታት የለን እንተተብሃለ ምግናን ኣይክኸውንን።
   መቐፀልታ ናይዚ ድማ እቲ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ሰሜን ጎንደር ዝተልዓለ ህውከትን ዝጠፍአ ሂወትን መበገሲኡ ነቲ ብህዝቢ ንዓመታት ዝኣክል ከልዕሎም ዝፀንሐን ዘሎን ናይ ዴሞክራሲ፣ ናይ ፍትሒ ናይ ልምዓትን፣ ሰናይ ምምሕዳርን ወዘተ... ሕቶታት ነቲ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ዘጎናፅፍ ፍታሕ ገዲፉ፣ ብሓይልታት ፀጥታ እናዋፈረ ነቶም ሕቶ ይኹን ጥርዓን ህዝቢ ሒዞም ዘቕርቡ ወገናት መለዓዓልትን ፀረ ልምዓታዊ መንግስትን ሕገ-መንግስትናን እናተብሃሉ ተፀፊዖም ብዘይ ፍታሕ ክምለሱን ኢሉ ‘ውን ካብ መንበሪ ገዝኦም ተኣሊሾም ክእሰሩን ክጭወዩን ገይሩዎም እዩ። ውፅኢት ዓፈና ዝወለዶ ሕቶ ህዝቢ ድማ ነቲጉ 'ምበር ክዕገት ኣይክኣለን።
   እዚ ዝካየድ ዘሎ ኣንፃር ኢህወደግ ዘቕነዐ ዝተቐፃፀለ ቃልሲ ዝነኣድ ኮይኑ በቲ ኻልእ ገፅ ድማ ኣብ ሞንጎ ብገለ ፀቢብ ኣመላኽታ ዝብገስ ናብ ሓደ ብሄር ዘቕነዐ ምልዕዓላት እናገበርካ ዝጠፍእ ዘሎ ሂወትን ንብረትን ቅልጡፍ መአረምታ ክግበረሉ ይግባእ።
   ብወገን እቲ ስርዓት ነቲ ኣብ ሰሜን ጎንደር ዝተልዓለ ግጭትን ዝሓለፈ ሂወትን ዝዓነወ ንብረትን ኣመልኪቱ ክህቦም ዝቐነየ መግለፅታት ዝምልከት ድማ፣ ፈላማይ ብሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ዝተውሃበ እንትኸውን፣ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ድማ ካብ ፌደራል ፖሊስን ብሄራዊ ናይ ድሕነትን ሓበሬታን ናይ ሓባር ግብረ ሓይሊ ዝተውሃበ መግለፂ ንህዝቢ ከደናግሩን ክመስሉን ዝኽእሉ ምስሊ ናይቶም ንህዝቢ ብዘይ ንሕስያ ዝጭፍልቑ ዝነበሩ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ዝሞቱ ኢሉ፣ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን  ብምርኣይ ብኣንፃሩ ነቶም ብሓይልታት ፀፅታ ሂወቶም ዝሓለፉ ኑፁሃት ወገናት ድማ ብምርሳዕ ከምኡ ‘ውን ርክብ ክገብሩ ዝረኸብናዮም ብዝብል ምስሊ ናይ ውሑዳት ተቓልስቲ ብምርኣይን ዝተጠለፈ ዝርርብ ተባሂሉ ደጋጊሙ ከስምዕ ተገዲዱ።
   እዚ ድማ ብውነ ዘይኮነስ ካብ ስንባደን ወጥረን ዝብገስ ፉሹል ተግባራት  ናይ ዝሓለፉ ሉሙድ ባህሪ ዝደጋግም ጨቛኒ ጉጅለ ምዃኑ ህዝቢ ብዝግባእ ስለ ዝፍልጥ ኩሉ ዓይነት ቃልሱ እናቀፃፀለ ይርከብ 'ሎ።
   ምኽንያቱ ህዝብና ሞቑሕ ፋሽታዊ ስርዓት ደርግ ደርብዩ ክዕወት እንከሎ ብለማፅ መንገዲ ተጓዒዙ ዘይኮነስ፣ ኣብ ልዕሊኡ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት እናሕለፈ፣ ወንበዴን ስድራ ወንበዴን እናተብሃለ ቁም ስቕሉ እናረአየ፣ ሂወት ሙሩፃት ደቁ ኣባላት ስርዒት ከተማን ገፀርን ተባሂሎም ብጥርጣረ ይኹን ብግልፂ ብሓይልታት ፀፅታ ካብ ማእከል ጎደና እናተሃደኑ ናብ ኣለም በቃኝ ተዳጒኖም ኣብ ትሕቲ ሕሱም ስቓይ ምስጢር ውድቦም ዓቂቦም ሂወቶም ክሓልፉን ከምኡ ‘ውን ኣብ ማእኸል ጎደናን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ውላዱ ድራር ዓረር እናኾኑ ንውሽጡ ደም እናነብዐ እንከሎ ብዝበኣሰ ሓሪኑ ከም ቆፍኡ ዝተነኽአ ንህቢ ናብቲ ቃልሲ ከም ዝወሓዘ ናይ ቀረባ ታሪኽ እዩ።
   ምኽንያቱ ኑፁሃት ተቓለስቲ ቀቲልካ ዝተፈላለዩ ናይ ፀለመ ኣሽማት ለጢፍካን ንህዝቢ ኣብ ናይ ዓፈና መስመር ኣእቲኻን ኣሲርካን ነገራት ዝቃንዑን ኣብ ስልጣንካ ዘፅንሕ እንተዝኸውን ፋሽታዊ ስርዓት ደርግ ካብዚ ዝተፈለየ ባህሪ እንታይ ነይሩዎ ዝብል ሕቶ ክተልዕል ዘገድድ እዩ። ስለዚ ብዓፈናን ኣረሜናዊ ተግባራት ኢህወደግ ዝቀፃፀል 'ምበር ዝዕገት ቃልሲ ኣይክህሉን !!

No comments:

Post a Comment