Sunday, August 14, 2016

እዚ ሕዚ ኣብ ሃገርና ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞ፣ ናብ ዓወት ክበቅዕ እንተኾይኑ ሕብረት ወሳኒ ከም ዝኾነ ይግለፅ ኣሎ።



ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገርና ተቐፃፂሉ ካብ እዋን ናብ እዋን ሓይሉ እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞ፣ ናብዚ ሕዚ ዘለዎ ደረጃ ክበፅሕ ዝኸኣለ ናይ ኣሽሓት ወገናት ህይወት እናበልዐ ንማእሰርቲ ንስደት ንምድራዊ ስቓይን ንዜጋታት ግዳይ ዝገበረ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣምባገነን ስርዓት ኮይኑ፣ እቲ ስርዓት ክእለ ዘይክኣለ ድማ ኣንፃር እቲ ስርዓት ዝግበር ምንቅስቓስ ክሓብር ብዘይምኽኣሉ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣንፃር እቲ ስርዓት ተጠናኺሩ ልዕሊ ማንም እዋን ኢህወዴም ምቁፅፃር ስኢንዎ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፣ ናብ ዓወት ክበፅሕ እንተኾይኑ፣ ተቓወምቲ ውድባት ኮነ ዉልቀ ሰባት ዘለዎም ፍልልይ ብምፅባብ፣ ሕብረት ናይ ቃልሲ ምፍጣር እቲ ወሳንን እንኮ መፍትሒ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ከም ዝኾነ፣ ዝተፈላለዩ ወገናት ክገልፁ ምቕናዮም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment