Sunday, August 14, 2016

ኣብ ኢንዱስትሪ ዞባ ዝርከብ መሬት ንጭረታ ክቐርብ ብምዉሳኑ ተቓዉሞ ከም ዘልዓለ ተፈሊጡ።



ልዕሊ 400 ዝኾኑ ኩባንያታት ናይ ኢንዱስትሪ መሬት ክወሃቦም ንዘቕረብዎ ሕቶ፣ ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልምዓት መሬትን ማኔጅመንትን ቢሮ ኣብ ኢንዱስትሪ ዞባ ዝርከብ መሬት፣ ንጨረታ ብምቕራቡ ብርክት ዝበሉ ወገናት ቅሬትኦም ይገልፁ ከም ዘለዉ፣ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 
ናይታ ከተማ መሬት ብሊዝ ናይ ምሓዝ ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 721/2004 ናይ ኢንዱስትሪ መሬት ብምደባ ከም ዝወሃብ ዝድንግግ ኮይኑ፣ ናይታ ከተማ መሬትን ማኔጅመንትን ቢሮ ኣብ 22 ዙር ሊዝ ብጨረታ ኣብ ንፋስ ስልክ ክፍለ ከተማ ላፍቶ ኣብ ወረዳ 12 ዝርከብ መካኒሳ ለቡ ዝተብሃለ ናይ ኢንዱስትሪ ዞባ መሬት፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንጨረታ ከም ዝቐረበ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እዚ ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ናይ ሊዝ ኣዋጅ ኮነ ነቲ ኣዋጅ ንምፍፃም ዝወፁ ደንብታትን መምርሕታትን ዝፃረር እዩ ክብሉ፣ ናይ ኢንዱሱትሪ መሬት ክወሃቦም ሕቶ ኣቕሪቦም ዝነበሩ ሰብ ሃፍቲ ገሊፆም። 
በቲ ናይ ሊዝ ኣዋጅ መሰረት ናይታ ከተማ መሬት ብክልተ መንገዲ ንተጠቀምቲ ዝተምሓላለፈ ናይ መጀመሪያ ብጨረታ እንትኸዉን፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ብምደባ ኮይኑ፣ በቲ ናይ ሊዝ ኣዋጅ ዓንቀፅ 12 ንማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት መሬት ብምደባ ከም ዝመሓላለፍ ብግልፂ ዝተደንገገ ኮይኑ፣ ካብዚ ናይ ክልቲኡ ድንጋገ ብምብጋስ ድማ ንኢንዱስትሪ ዝኸዉን መሬት ክወሃቦም ካብ ዝሓተቱ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝገበሩ መልሲ ክወሃቦም ይፅበዩ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ዝኾኑ ወገናት፣ እቲ ስርዓት ንኢንዱስትሪ ዝኸዉን መሬት ንጨረታ ብምቕራቡ ቅሬትኦም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።    

No comments:

Post a Comment